ዒራቕ፡ ኣብ 10 ሰሙን ሰለስተ ቀዳማይ ሚኒስተራት ዝቐየረት ሃገር

Published

ፕረዚደንት ዒራቕ፡ ሓላፊ ስለያ ዝነበረ ሙስጠፋ ኣል-ካደሒሚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ክኸውን ከምዝረቑሖ ኣፍሊጡ።

ዒራቕ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ወርሒ ንሳልሳይ ግዜ'ያ ቀዳማይ ሚኒስተር ትቕይር ዛላ።

እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ከም ዘቕውምን፡ ንድልየታት ዒራቓውያን ቀዳምነት ሂቡ ከም ዝሰርሕን ኣፍሊጡ።

ዒራቓውያን ቅድሚ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብታ ሃገር ተላቢዑ ዘሎ ብልሽውናን ሽቕለት ኣልቦነትን ንምቕዋም፡ ኣብ ዝተፈለለያ ከተማታት እታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም እዮም።

ብሰንሲ እዚ ድማ፡ ልዕሊ 500 ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቐትሉን፡ ካልኦት ኣሽሓት ከም ዝቖሰሉን ይፍለጥ።

ዒራቓውያን፡ ብልሽውና ደው ክብል፣ ዝሐሸ ዕድላት ስራሕ ክፍጠርን፡ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ ግቡእ ኣገልግሎት ንክህቡን እዮም ዝጠልቡ።

እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ፖለቲካ ዒራቕ ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገለ ከም ምዃኑ፡ ዓቢይ ሓላፍነትን ሓያል ስራሕን ከምዝጽበዮ ፕረዚደንት ዒራቕ ባርሓም ሰላሕ ሓቢሩ።

ሙስጠፋ ኣል-ካደሒሚ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት መንግስቲ ከቕውምን፡ እቶም ዝረቑሖም ካቢነ ሚኒስተራት ድማ ኣብ ቅድሚ ባይቶ እታ ሃገር ክቐርቡ ኣለዎም።

እንድሕሪ ተዓዊቱ ድማ፡ ነዚ ልዕሊ 1,200 ዒራቓውያን ለኺፉ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዓቢ ስራሕ ይጽበዮ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ዛጊት በዚ ሕማም 69 ዒራቓውያን ሞይቶም ኣለው።