እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ፈረንሳ ክልተ ሰባት ብካራ ተቐቲሎም
Published
ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ፈረንሳ፡ ክልተ ሰባት ብካራ ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።
ካልኦት ዓርባዕተ ድማ ብጽኑዕ ተጎዲኦም ከምዘለው ሰብመዚ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።
ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ ሓደ ካራ ከዋጣውጥ ዝተራእየ ውልቀሰብ፡ መጀመርያ ኣብ ትንባኾ ዝሽየጠሉ ድኳን ኣትዩ ነቲ ዋናን ኣማዊልን ከምዘጥቅዐ ተሓቢሩ።
ቀጺሉ ድማ፡ ናብ መሕረዲ ስጋ ብምዃድ ካልኦት ሰባት በቲ ካራ ከምዝወገአ ተገሊጹ።
እቲ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ። ብዛዕባ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ግን ዛጊት ዝተነጸረ ነገር የለን።
ኣብዚ እዋን፡ ፈረንሳ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ። ህዝቢ እታ ሃገር፡ ንመዓልታዊ ዝኸውን መግቢ ወይ ምንቅስቓስ ኣካላት ክገብር እንተዘይኮይኑ ክወጽእ ኣይፍቀዶን።
ኣብ ፈረንሳ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረሰ ዝተኸፉ ሰባት ልዕሊ 82 ሽሕ ክበጽሕ ከሎ፡ ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 6 ሸሕ ኮይኑ ኣሎ።