ኤርትራ፡ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓዳሽ ኣማሓዳሪት ተመዲባቶ

Published

ኣብ ኤርትራ፡ ሓዳስ ኣማሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከምዘተመዘዘት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ወይዘሮ ኣስመረት ኣብርሃ ነቲ ነዊሕ ዘይገበረ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ልብሱ ተኪኣ ኣብ ጊንዳዕ በቲ መዝነት ኣኼባ ከምዘካየደት'ዩ እቲ መግለጺ ዝጠቅስ።

መዓስ እቲ መዝነት ከም ዝተዋህባ ግነ ኣይተገልጸን።

መንግስቲ ኤርትራ መብዛሕትኡ እዋን ንሽመት ሰበስልጣን ወግዓዊ መግለጺ ኣይህበሉን'ዩ።

ጀነራል ተኽለ ልብሱ ስለምንታይ ካብ መዝነቱ ከምዝወረደ ይኹን፡ ናብ ካልእ መዝነት ተዋሂብዎ እንተኾይኑ እቲ ሓበሬታ ኣየነጸረን።

ኣመሓደርቲ ካልኦት ዞባት ኤርትራ ብዓል መን'ዮም

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል፡ ሓደ ካብ ልዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ'ዩ። ንሱ ካብ ወታሃደራዊ ሓላፍነቱ ድሕሪ ምውራዱ ሓላፊ ኮሚሽን ስፓርት ኮይኑ'ውን ኣገልጊሉ ነይሩ'ዩ።

ዞባ ጋሽ ባርካ ዘመሓድር ዘሎ'ውን፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ዕቃበ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኮይኑ ዝሰርሐ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ ይበሃል።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጂቡቲን ሱዳንን ኮይኑ ዘገልገለ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ ድማ ኣመሓዳሪ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ'ዩ።

ንዞባ ዓንሰባ ዘመሓድር ዘሎ ድማ፡ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ይበሃል።