ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ካብ ቀጽሪ ከይወጽኡ ምምርሒ ተዋሂብዎም

Published

ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንደገ ከይወጽኡ ምምርሒ ከም ዝተዋህቦም ተገሊጹ።

እቲ መምርሒ ካብ ሚኒስትሪ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝመጽአ ኮይኑ፡ ኩለን ዩኒቨርስታት እታ ሃገር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምግዕጋት ኣድላዩ ስጉምቲ ክወስዳ ኣተሓሳሲቡ።

ዩኒቨርስታት መቐለን ኣኽሱምን ድማ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም፡ ተመሃሮ ከም ድላዮም ክኣትውን ክወጹን ከም ዘይኽእሉ ኣፍሊጠን።

ዩኒቨርስቲ መቐለ ስሩዕ ትምህርቲ ዝከታተሉ ዘለዉ ተመሃሮ እቲ ዩኒቨርስቲ፡ ትምህርቶም ብ 'ኦንላይን' ከም ዝከታተሉ ገሊጹ።

ካብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ወጺኢ ዘለዉ ተመሃሮ ድማ፡ ካብ ጽባሕ ጀሚሮም ናብ ዩኒቨርስቲ ክኣትዉ ከም ዘይኽእሉ ተገንዚቦም፡ ኣብቲ ዘለውዎ ቦታ ክጸንሑ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ኣተሓሳሲቡ።

ተመሃሮ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና፣ ሚኒስትሪ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ዩኒቨርስቲታትን ክከታተሉ ከም ዝግባእ እተን ዩኒቨርስታት ኣፍሊጠን።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ትሸዓተ ከም ዝበጽሐ ሚኒስትሪ ጥዕና ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ'ውን ናብ ልዕሊ 30 ሃገራት ዝገብሮም ዝነበረ በረራታት ከም ዝሰረዞ ኣፍሊጡ'ሎ።

ካብ ዝኾነት ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ገያሾ ን14 መዓልታት ክትውሽቦም ምዃና ኣፍሊጣ'እያ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ለኺፉ ከም ዘሎን፡ ልዕሊ 10000 ሰባት ድማ በዚ ሕማም ሞይቶም ኣለው።

ኮሮናቫይረስ ይህልወኩም'ዶ ይኸውን? ነዚ ምልክታት ርአዩ

ሽሕ'ኳ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም እንተለዉ፡ ኣቀዲሞም ወጺኦም ኣብ ዝነበሩሉ በዚ ቫይረስ ኣይተለኽፉን ማለት ኣይኮኑን።

እቶም ክሳዕ ሕጂ ደገ ኣብ ምውጻእ ዝርከቡ ዘለዉ ከኣ ነቲ ሓደጋ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ኣዝዮም ዝተቃልዑ እዮም።

ስለዚ እዚ ቫይረስ ከም ዘለኩም ብኸመይ ክትፈልጡ ትኽእሉ? ምልክታቱ'ኸ እንታይ እዮም? ኮቪድ-19 ካብቲ ካልእ ተራ ሰዓል ብምንታይ ይፍለ?

እቲ ምልክታት ብረስኒ ጀሚሩ፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ዘኸትል ደረቅ ዝኾነ ሰዓል የስዕብ።

ብገምጋም እዚ ምልክታት ክረአ ክሳብ ሓምሽተ መዓልታት ዝወስድ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገሊኦም ግን ካብዚ ዝተባህለ መዓልትታት ድሒሩ ክረአ ይኽእል።

ብመሰረት ሓበሬታ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ እቲ ምጭጫሕ ናይቲ ቫይረስ ክሳብ 14 መዓልታት ከም ዝወስድ ክንገር እንከሎ፡ ገለ ገለ ተመራመርቲ ግን ክሳብ 24 መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ይሕብሩ።