ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ስርዓት ቀብሪ ዶ/ር ካትሪን ሃምሊን ውሑድ ሰብ'ዩ ክርከብ

Published

ትማሊ ምሸት ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለያ ዶ/ር ካትሪን ሐምሊን ስርዓት ቀብረን መጻኢ ሰኑይ ከምዝፍጸም ተገሊጹ።

እቲ ስርዓተ ቀብሪ፡ ሰኑይ ቀትሪ ሰዓት 7፡00 [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ቤተክርስትያን ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ ከምዝፍጸም ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሃምሊን ፊስቱላ ኢትዮጵያ ዶ/ር ተሾመ ታፈሰ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲ ናይ ምስንባት መደብ ክካየድ እዩ።

ብሰንኪ ስግኣት ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብቲ ስንብት ዝርከቡ ቁጽሪ ሰባት ብጣዕሚ ውሱን ክኸውን ከምዝተገብረ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።

ንዶክተር ካትሪን "ናይ ኣዴታት ኣደ" ኢሉ ዝገልጸን ዶ/ር ተሾመ፡ ብሓፈሻ ካብ 60 ሺሕ ንላዕሊ ኣዴታትን ንኡሳት ደቂ ኣንስትዮን ጥዕነአን ክረኽባ ከምዝገበራ ኣረዲኡ።