ኣብ ጣልያን ብኮሮናቫይረስ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 200 ተጸጊዑ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ጣልያን ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ [ኮቪድ-19] ካብ ዝርአ ኣትሒዙ፡ ብሰንኪ እቲ ሕማም ቁጽሪ መዓልታዊ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ መጺኡ፤ ቁጽሪ መወትቲ ናብ 197 ደይቡ ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብሰንኪ እቲ ሕማም 49 ሰባት ከም ዝሞቱን ናይቲ ሕማም ምልክት ዝተረኣዮም ድማ 4600 ከም ዝኾነ ሰብ መዚ ጣልያን ዕላዊ ገይሮም።
ኮሮናቫይረስ ኣብ ጣልያን ንፈለማ እዋን ዝተረኣየሉ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኮይኑ ብሰንኪ እቲ ሕማም ካብ ቻይና ቀጺላ ብዙሕ ዜጋታታ ዝሰኣነት ሃገር ኮይና ኣላ።
ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት ሓደ ምኢቲ ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ።
ቀንዲ ግዳይ እቲ ቫይረስ ዝኾነት ቻይና ድማ ዛጊድ 3 ሽሕ ሰባት ሞይቶምዋ ኣለው።
ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣብ ኣዝዩ ዘጨንቕ ደረጃ ከም ዝበጽሐን ኩላተን ሃገራት ንምክልኻል እቲ ቫይረስ ልዑል ጥንቃቐ ክገብራ ከምዘ ለወንን ኣተሓሳሲቡ።
ማእኸላይ ዕድመ እቶም ዝሞቱ ሰባት 81 ከም ዝኾነ ዝገለጸ ትካል ጥዕና ጣልያን፡ መብዛሕቲኦም ብኻልኦት ሕማማት'ውን ዝተጥቕዑ ከም ዝነበሩ ኣዘኻኺሩ።
ካብቶም ዝሞቱ እቶም 72 ምኢታዊት ከኣ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ብኮሮና ቫይረስ ካብ ዝተለኾፉ ሰባት እቶም 4.25 ምኢታዊት ከም ዝሞቱ መንግስቲ ጣልያን ዕላዊ ዝገበሮ መረዳእታ የመልክት። እዚ ድማ ካብ ዓለም እቲ ዝበረኸ እዩ።
ጣልያን፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ካብ ዝበዝሕወን ሃገራት ዓለም ኣብ ቅድምቲ ትስራዕ ሃገር እያ።
መንግስቲ እታ ሃገር ምእንቲ ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ክብል ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ን10 መዓልታት ክዕጽዋ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።
ንሰሪኣ ጣልያን ሓዊሱ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ንሓደ ወርሒ ኣብ ዕጽው መይዳ ክካየድ'ውን ወሲና።
ንጣልያን ብበዝሒ ቁጽሪ ግዳያት ኮሮና ቫይረስ ዝቕድምኣ ሃገራት ቻይና፣ ደቡብ ኮርያን ኢራንን ጥራይ እየን።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
