ኣብ ሶርያ ኢድሊብ፡ 33 ወተሃደራት ቱርኪ ብደብዳብ ነፈርቲ ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ነፈርቲ ውግእ መንግስቲ ሶርያ ብዘካየደኦ ደብዳብ፡ ብውሑድ 33 ወተሃደራት ቱርኪ ከምዝተቐተሉ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቱርኪ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ኢድሊብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉ'ውን፡ ኣመሓዳሪ ቱርካዊት ግዝኣት ሃታይ፡ ራህሚ ዶጋን ገሊጹ።
ካልኦት ጸብጻባት ቁጽሪ መወትቲ ከምዝውስኽ ይገልጹ፤ ቱርኪ ድማ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ወተሃደራት መንግስቲ ሶርያ ዓጸፋዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ሓቢራ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደብሩ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ብወገኑ በቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ቱርኪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 34 ወታሃደራት ከምዝሞቱ ገሊጹ።
ብሩስያ ዝድገፉ ወተሃደራት ሶርያ፡ ንግዝኣት ኢድሊብ ካብቶም ብወተሃደራት ቱርኩ ዝሕገዙ ዓመጽቲ ንምምንጣል ይፍትኑ ኣለዉ።
ሰበስልጣን ሶርያ፡ ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢድሊብ ዘሎ ወጥሪ ዝበልዎ ነገር የለን።
ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን፡ ንላዕለዎት ሰበስልጣን ጸጥታ እታ ሃገር ኣኪቡ ምስ ኣዘራረበ እቶም ወተሃደራት ቱርኪ ነቲ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ወሲዶም።
ሚኒስተር ምክልኻልን ኣዛዚ ሓይሊታት ቱርክን እውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓይሊታት መንግስቲ ሶርያ ዝውሰድ ናይ ኣየርን ምድርን መጥቓዕቲ ንምምራሕ ናብ ዶብ ሶርያ ተጓዒዞም እዮም።
መንግስቲ ቱርኪ ሓይልታት መንግስቲ በሽር ኣልዓሳድ፡ ብተደጋጋሚ ካብቲ ከባቢ ክስሕቡ እናጠንቀቐ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ መንግስቲ ሶርያን ሩስያን ግን ነቲ ጻውዒት ይነጽጉዎ።
ሩስያ ድማ፡ ቱርኪ ንዓመጽቲ እናዕጠቐት ነቲ ኣብ 2018 ዝተፈረመ ውዕሊ ቶኽሲ ደው ምባል ትጥሕስ ኣላ ብምባል ከሲሳታ ኣላ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
