ኣሜረካ፡ ኣብ መልዋኪ 5 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
Published
ኣብ መልዋኪ ዝባህለት ከተማ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኩባንያ ፋብሪካ ቢራ 5 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ እታ ከተማ ሓቢሮም።
እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ወዲ 51 ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ብዘብጽሖ መቑሰልቲ ከምዝሞተ'ውን ተገሊጹ።
ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ገና ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።
ከንቲባ እታ ከተማ ቶም ባረት፡ ነቲ ፍጻመ ዘሕዝን ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ናይ ብረት መጥቃዕቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም እንከለው እዩ ተኻይዱ።
እቶም ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ኩባንያ ቢራ ከምዝኾኑ'ውን ፖሊስ እታ ከተማ ኣረጋጊጹ።
በቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርትን ዋኒናት ክዕጸዋ ተገዲደን ኣለዋ።
ፕረዚደንት ትራምፕ'ውን ንስድራ እቶም ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።
ነቲ ብዓል ብረት ድማ "ርጉም ቀታሊ" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ኩባንያ ቢራ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበን ዘሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
