ቀዳማይ ሚኒስተር ሌሴቶ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ብቕትለት በዓልቲቤቱ ዝኽሰስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሌሴቶ ቶማስ ታባነ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ማሰሩ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረበ ተገሊጹ።

ኣጓንይዋ ንዝነበረ በዓልቲ ቤቱ፡ ሊፖለሎ ታባነ ዝኽሰስ፡ ወዲ 80 ዓመት ታባነ፡ ብዓርቢ ናብ ቤትፍርዲ ክርከብ ኣይከኣለን ነይሩ።

ጓል 58 ዓመት ሊፖለሎ ታባነ፡ ቶማስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድሚ ምዃኑ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ እያ ኣብ 2017 ብጥይት ተሃሪማ ተቐቲላ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብቕትለት በዓልቲ ቤቱ ሊፖሌሎ ታባነ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ትጽቢት እናተገብረሉ ካብ ሃገሩ ከም ዝወጸ ምንጭታት ገሊጾም።

ወዲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ወሃቢ ቃልን ግን ንሕክምና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘምርሐ ገሊጾም ነይሮም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብቲ ቤትፍርዲ ምስታ ብቕትለት ሊፖለሎ ኣቐዲማ ተኸሲሳ ብዋሕስ ዝወጸት፡ ናይ ሕጂ በዓልቲ ቤቱ መሳያ ታባነ ከም ዝተራእየ ምንጭታት ገሊጾም።

ክሱስ ምስ በዓልቲ ቤቱ ዘርእይ ስእሊ ቤትፍርዲ፡ ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ትዊተር ዘርጊሑ ኣሎ።

ቶማስ ታባነ ነዛ ናይ ሕጂ በዓልቲ ቤቱ ድሕሪ ሞት ሊፖለሎ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ እዩ ተመርዕይዋ።