ብኮሮናቫይረስ ሽሕ ሰባት ብምማቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን ቻይና ተሰጒጐም

መሸፈኒ ኣፍንጫ ዝወደዩ ኣባላት ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰብ መዚ ነቲ ለበዳ ዝሓዝሉ ኣገባብ ነቐፌታታት ክወርዶ ጸኒሑ
Published

ኣብ ቻይና፡ ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ 1 ሺሕ ሰባት ምስሞቱ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ግዝኣት እታ'ቲ ቫይረስ ዝተኸስተላ ግዝኣት ሁበይ ተሰጒጐም።

ካብ መንጎኦም ሓላፊ ኮሚሽን ጥዕና ሁበይን ዋና ጸሓፊ እቲ ገዛኢ ፓርቲን ይርከቡዎም።

ምክትል ሓላፊ ቀይሕ መስቀል እቲ ከባቢ ድማ ረድኤት ኣጠፋፊኡ ተባሂሉ ካብ ስርሑ ተሰጒጉ።

ብደረጃ ሃገር ዛጊድ በቲ ሕማም 1,016 ክሞቱ እንከለው፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ኣብዛ ግዝኣት ጥራሕ ኣብ ሓደ መዓልቲ 106 ሰባት ሞይቶም።

እንተኾነ፡ ምልባዕ ናይቲ ቫይረስ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ናይ 20 ሚኢታዊት ምጉዳል ከም ዘርኣየ ተገሊጹ።

ገለ መራኸቢ ብዙሃን እታ ዓዲ ከምዝጸብጸበኦ፡ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ካብ ሓላፍነቶም እንትባረሩ፣ ተወሳኺ ምርመራታትን መጠንቀቕታን ይወሃብ ኣሎ።

ካብ ሓላፍነቶም ዝእለዩ ዘለዉ ሓላፍቲ መንግስቲ፡ ካብ ኮምኒስት ፓርቲ ድማ ተወሳኺ መቕጻዕቲ ክጽበዮም'ዩ ተባሂሉ።

ኣብ ግዝኣት ሁበይ፡ ካብታ መንቀሊ እቲ ቫይረስ ዝኾነት ዉሃን ቀጺላ ብዝኸፍኣ ብርኪ ዝተጠቕዓት ከተማ ሁዋንጋንግ ድማ፡ ምክትል ሓላፊ ኮሚሸን ጥዕና ተሰጒጉ ተባሂሉ።

ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ሕማም፡ ሸለልትነት ኣርእዮም ተባሂሎም እዮም ዝንቀፉ።

ብፍላይ ብዙሓት ሕሙማት ዝሕግዝ ዝነበረ ዶክተር ድሕሪ ምሟቱ ሓያል ቁጥዐ ፈጢሩ እዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ቻይና ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ዝሃነጸቶ ሆስፒታል