ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 780 በጺሖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ፡ ካብቲ ኣብ 2003 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ህይወት ብዙሓት ዝበልዐ ለበዳ ሳርስ ከምዝዛይደ ተገሊፁ።
ኣብታ መበገሲ እዚ ቫይረስ ዝኾነት ግዝኣት ሁቤ፡ ዛጊድ 780 ሰባት በዚ ቫይረስ ክሞቱ እንከለው፡ ትማሊ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 81 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ ሞያ ኣፍሊጦም።
ክሳብ ሕዚ ኣብ ቻይና 803 ሰባት፡ ክልተ ድማ ካብ ቻይና ወፃኢ፡ እቲ ሓደ ኣብ ሆንግ ኮንግ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ፊሊፒንስ ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።
ኣብ 2003 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣጋጢሙ ዝነበረ ንስርዓተ ምስትንፋስ ዘጥቅዕ ለበዳ ሳርስ፡ ኣብ ልዕሊ 20 ሃገራት፡ ህይወት 744 ሰባት ኣጥፊኡ እዩ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ መበገሲት እዚ ሕማም ኣብ ዝኾነት ቻይና ሓዊሱ፡ ክሳብ ሕዚ 34,800 ሰባት በዚ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ፡ መረዳእታት ይሕብሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኮሮናቫይረስ ዓለማዊ ሓደጋ ከምዝኾነ ብምግላፅ፡ ህፁፅ ኩነት ምእዋጁ ይዝከር።
እቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ግዝኣት ሁቤ ዝተርኣየ ቫይረስ፡ ናብቲ ግዝኣት ዝግበር ጉዕዞ ንሰሙናት ተኸልኪሉ እዩ።
ሆንግ ኮንግ ብወገና ካብ ቻይና ንዝመጽእ ዝኾነ ተጓዓዚ፡ ንክልተ ሰሙን ተወሺቦም ንክፀንሑ ኣዚዛ።
ብመሰረት እዚ፡ በፃሕቲ ዓዲ ኣብ ዝዓርፍሉ ሆቴላት ኮነ ማእከላት መንግስቲ ተፈልዮም ንክፀንሑ ነበርቲ ድማ፡ ንክልተ ሰሙናት ካብ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ብምርሓቕ ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉ ይግደዱ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብዛ 26 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተተሓዙ ሰባት ዝተረኸቡላ ሆንግ ኮንግ፡ ነዚ ወፅዩ ዘሎ መመርሒ ዝጠሓሰ ሰብ ድማ፤ ብገንዘብን ማእሰርትን ይቕፃዕ።
ብተወሳኺ ሞት እቲ ብዛዕባ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክጉስጉስ ዝጸንሐ ዶክተር ሊል፡ ንብዙሓት ኣቖጢዑ እዩ።
ዶክተር ሊል ኣብ ውሃን ሕሙማት ክሕክም እንከሎ እዩ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
