ትራምፕ፡ ኣንጻሩ ንዝመስከሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰጒጉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
Published
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ቀሪቡሉ ኣብ ዝነበረ ክሲ ኣንጻሩ ንዝመስከሩ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ ስረሖም ኣባሪሩ።
ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣምባሳደር ጎርደን ሶንድላንድ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ከምዝደለየ ከምዝተነገሮ ገሊጹ።
ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሌቴናንት ኮሎኔል ኣሌክሳንደር ቪንድማን፡ ቅድሚ ሰዓታት ካብ ዋይት ሃውስ ተሰናቢቱ ኣሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ሰኔት ኣመሪካ ካብ ዝቐረበሉ ክሲ [ኢምፕችመንት] ነጻ ምስ በሎ፡ ኣብ ኣባላት ቤት ጽሕፈቱ ምቅይያር ክገብር ከምዝደሊ ገሊጹ ነይሩ።
ላዕለዋይ ጠበቓ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ጸጥታ ዝነበረ ፍላይ ማንታ ሌተናንት ኮሎኔል ኣሌክሳንደር ቪንድማን፡ የቭገንስ ቪንድማን፡ 'ውን ናብ ወታሃደራዊ ክፍሊ ክምለስ ተገይሩ ኣሎ።
ንምብራር ኮሎኔል ኣለክሳንደር ዝተቓወመ ኣማኻሪኡ፡ " ቪንድማን ሓቂ ስለዝተዛረበ ውጻእ ተባሂሉ፤ ክብሩ፣ ንሓቂ ዘለዎ ውፉይነት ነቲ ሓያል እየ ዝብል ኣፍሪሕዎ" ክብል ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ " ኮሎኔል ቪንድማን፡ ሓቂ ምዝራቡ ስርሑን ሞይኡን ኣስኢንዎ" ብምባል ፕረዚደንት ትራምፕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ቅሉዕ ሕነ ምፍዳይ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ፕረዚደንት በቲ ኮሎኔል ሕጉስ ከምዘይኮነ ዝሓለፈ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

