ርክብ ሕደ-ፆታውያን ዝቃወም ታንዛንያዊ በዓል ስልጣን ናብ ኣሜሪካ ንከይኣቱ ተኣጊዱ

Published

ንኣፍቀርቲ ሕደ-ፆታወያን ዝሃድን ጉጅለ ብምጥያሽ ግህሰት ይፍፅም'ዩ ዝተብሃለ ታንዛንያዊ ሚኒስትር ፓውል ማኮንዳ ናብ ኣሜሪካ ንከይኣቱ ተኣጊዱ።

ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ነዚ ላዕለዋይ በዓል መዚ ዳሬሰላም፡ "ኣብ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ተሳቲፉ" ብዝብል'ዩ ወንጂልዎ ዘሎ።

ብመርገፅን ተግባርን እዚ ሚኒስትር ዝተቖጠዐት ኣሜሪካ ኪንዮ እቲ በዓል ስልጣን፡ ስድርኡ እውን ናብ ኣሜሪካ ንከይኣትዉ ኣገዲዳቶም።

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔይ ብመገዲ ትዊተር ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ልዕሊ ማኮንዳ ዝተነበረ እገዳ፡ ኣብ ታንዛንያ ዝፍፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዘሰክፍ ብርኪ ብምብፅሑ እዩ ኢሉ።

"ፓውል ማኮንዳ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ፀቕጢ ብምግባሩን፡ ብነፃነት ሓሳብ ኣብ ምግላፅ ንዝሰርሑ ገለ ጉጅለታት ብምጥቅዑን" እዚ እገዳ ከምዝተነበረሉ፡ እቲ ቢሮ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ስም ፓውል ማኮንዳን ብቐጥታ ብምጽራሕ ዝወንጀለ እዚ መግለፂ፡ መሰል ምንባር ዜጋታት፣ ድሕንነት ብምጥሓስ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ፈፂሙ እዩ ይብል።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ንኣፍቀርቲ ሕደ-ፆታወያን ዝሃድን ጉጅለ ዘጣየሰ ፓውል ማኮንዳ፡ ዓለም-ለኻዊ ተቓውሞ ከምዝመጽኦ ብምግላፅ፡ "ንኣምላኸይ ካብ ዘቖጥዕ ነዘን ሃገራት ከቖጥዕ ይሓይሽ" ኢሉ።

ኣብ ታንዛንያ ርክብ ሕደ-ፆታውያን ገበን እዩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2015 ጆን ማጉፊሊ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፅኡ፡ ሓሳብካ ብነፃነት ምግላፅ እናንቆልቆለ ከምዝመፅአ እዩ ዝግለፅ።

እቲ ፕረዝደንት፡ ንተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ብምእሳርን ናፅነት መራኸቢ ብዙሃን ብምዕፋንን ዝያዳ ይንቀፍ።