ኣባል ባይቶ ዴሞክራት ራሺዳ ትላይብ ንሂላሪ ክሊንተን ብምድሃላ ከምዝተጣዕሰት ሓቢራ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣባል ባይቶ ዴሞክራት ራሺዳ ትላይብ ኣብ 2016 ኣብ ኢዮዋ ዝተገብረ ምርኢት፡ ንሂላሪ ክሊንተን ብብርቱዕ ድምጺ "ዉ፡ዉ፡ወ፡ዉ" ኢላ ብምድሃላ ከምዘጣዕሳ ሓቢራ።
እታ ኣባል ባይቶ፡ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ሓደ ሰነዳዊ ፊልም፡ "ንበርኔ ሳንደርስ ዝፈትዎ የሎን" ድሕሪ ምባላ ንራሺዳ ናይ ኣንነት ስምዒት ስለዝሃባ ኣንጻር ሂላሪ ከምዝተላዕለት ገሊጻ።
ኣብ እዋን'ቲ ምርጫ ንዶናልድ ትራምፕ ንምስዓር ውሁድ ስራሕ ብዘይምክያድና እሓዝን ከኣ ኢላ። ሕጂ ግን ትራምፕ ኣብ ምርጫ 2020 ንከይስዕር ኩሉ ዝከኣለኒ ክገብር እየ ክትብል ብመገዲ ትዊተር ሓቢራ።
ራሺዳ ትላይብ ግን መን እያ?
ራሺዳ ካብ ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ስድራ ኣብ ኣመሪካ ተወሊዳ ዝዓበየት እንክትኸውን፡ ቀዳመይቲ እስላመይቲ ጓለንስተይቲ ኣባል ባይቶ ኣመሪካን ኣብ ናይ ሚቺጋን ሓጋጊ ባይቶ ዝተጽምበረትን እያ።
ፍልስጤም ዝመበቆላ ካብ ስደተኛታት ስድራ ዝተወልደት ኣመሪካዊት ራሺዳ፡ ንዶናልድ ትራምፕ ብምንቃፍን መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤም ንዝገብሮ በደልን ብትሪ ብምቅዋም ትፍለጥ።
ራሺዳ ካብ 14 ኣሕዋታ እታ ዝዓበየትን በኹርን እያ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካብ ፍልስጤማውያን ስደተኛታት ስድራ፡ ኣብ ዴቶሮት ሚችጋን ተወሊዳ ዝዓበየት፡ ናይ ሕጊ ኪኢላ ራሺዳ ትላይብ፡ ንነብሳ "ንሓባራዊ ፍትሒ እትቃለስ ኣደ" ክትብል እያ ትገልጽ።
ራሺዳ፡ ኣብ 2008፡ ቀዳመይቲ እስላመይቲ ጓለንስተይቲ ኣባል ሓጋጊ ባይቶ ኮይና ተመሪጻ።
ንሳ፡ ቢልዮነራትን ኮርፖሬሺናትን ሚቺጋን ኣብ ከባቢያዊ ጥዕና ከውርዱዎ ንዝጸንሑ ብከላ ተማጒታ ብምስዓራ፡ ብህዝቢ ተቐባልነት ዝረኸበት ኣባል ባይቶ እያ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
