ትራምፕ ስደተኛታት ንምዕጋት ዘስርሖ ናይ ዶብ ሓጹር ብንፋስ ፈሪሱ

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ከም ዝህነጽ ዝገበሮ ሓድሽ ሓጹር፡ ገለ ክፋሉ ብንፋስ ፈሪሱ።

እቲ ብናይ ሓጺን ገርዚ (ፓነል) ዝተሰርሐ ኣብ ካለሲኮ እትበሃል፡ ኣብ ቴክሳስ እትርከብ ከተማ ዝተሃንጸ ሓጹር፡ ትማሊ ረቡዕ በቲ ኣብቲ ቦታ ዝተራእየ ንፋስ ከም ዝወደቐ ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቲ ሓጹር፡ ንዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት፡ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ራምፕ ኣብ ልዕሊ 3, 145 ኪሜ ዝንውሓቱ ዶብ ሜክሲኮን ኣመሪካን ዝተሃንጸ'ዩ።

ሓደ መዓልቲ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ብሰሉስ ኣብ ሓደ ናይ ምርጫ ጎስጓስ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ህንጸት ናይቲ ሓጹር "ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቅልጣፈ" ይስራሕ ኣሎ ክብል ተጃሂሩ ነይሩ።

ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኻኣ፡ ሓያል ንፋስ መጺኡ ዕሉው ኣቢልዎ።

"ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ፡ ሰብመዚ ሜክሲኮ፡ ቀልጢፎም ነቲ ብኡ ዝሓልፍ ዝነበረ ጽርግያ ብምዕጻዉ፡ ንተጓዓዝቲ ከም ዘላግሱ" ብምግባሮም ዝዓነወ ንብረት ይኹን ዝቖሰለ ሰብ የለን ክብል ሓደ ኣባል ሓለዋ ዶብ ኣመሪካ ንኤል ኤ ታይምስ ዝተባህለ ጋዜጣ ተዛሪቡ።

ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝተዘርግሐ ስእልታት፡ ሰራሕተኛታት ብክሬን ነቲ ሓጹር ናብ ቦትኡ ክመልስዎ የርኢ።

ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ዝፈረሰ ሓጹር ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ "ክብሳዕ ዘይክእል'ዩ" ክብል ገሊጹዎ ነይሩ።

እቲ ፕሮጅክት ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ሕልኽላኻት እኳ ኣጋጢምዎ እንተነበረ፡ ቀስ ኢሉ ግን ደሓን ገስጋስ ገይሩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣስታት 100 ማይላት ናይቲ ዶብ ሓድሽ ሓጹር ተሃኒጽሉ ከም ዘሎ ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ትራምፕ፡ ከም ቀንዲ ፖሊሲኡ ዝርእዮ ሓጹር፡ ብኣስታት 3.6 ቢልዮን ዶላር'ዩ ዝህነጽ ዘሎ።