ሊብያ፡ ሓይልታት ጀነራል ሓፍጣር ሲቪላውያን ነፈርቲ ክወቕዑ ምዃኖም ኣጠንቂቖም

ሓይልታት ጀነራል ኸሊፋ ሃፍጣር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣንጻር እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ ዝዋግኡ ዘለው ብጀነራል ሓፍጣር ኸሊፋ ዝምርሑ ሓይልታት፡ ንመዕርፎ ነፈርቲ ርእሰከተማ ሊብያ፡ ትሪፖሊ ዝጥቀማ፡ ናይ ሲቪል ይኹና ወተሃደራውያን ነፈርቲ ክወቕዑ ምዃኖም ኣጠንቂቖም።

ወሃቢ ቃል ናይቶም ሓይልታት ናይ መወዳእታ ምዃኑ ዝገለጾ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ዝተኻየደ ደብዳብ ሮኬት፡ መዓርፎ ነፈርቲ ሚቲጋ ክዕጾ ተገዲዱ እዩ።

ሓይልታት ጀነራል ሓፍጣር ኸሊፋ፡ ቱርኪ ኣብ ልዕሊኦም ደብዳብ ንምክያድ ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም እትጥቀመሉ ይኸስሱ።

ሰራዊት ቱርኪ ነቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ንምሕጋዝ ናብ ሊብያ ተዋፊሩ ኣትዩ'ሎ።

ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ መንግስቲ፡ ደገፍ ናይ ቱርኪ፡ ቀጠርን ዝበዝሓ ሃገራት ምዕራብን ክህልዎ እንከሎ፡ ቀንዲ ተሓጋገዝቲ ጀነራል ሓፍታር ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ዮርዳኖስን ሩስያን እየን።

ሓይልታት ጀነራል ሓፍታር ንርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ንምቁጽጻር ዝገበርዎ መጥቃዕቲ ዛጊት ኣይተዓወቱን።

መንበሩ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ቶብሩክ ዝገበረ ሓይሊ ጀነራል ሓፍታር ዝበዝሕ ክፋል እታ ሃገር ተቖጻጺሩ ይርከብ።

ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት መዓመር ገዳፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።