ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት፡ ካህናት ካቶሊክ ሓዳር ከይገብሩ ዝእዝዝ ሕጊ ከይልሕልሕ ኣተሓሳሲቦም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ካህናት ካቶሊክ ኣብ ዝተኣከብሉ ሓደ ሓሳብ ተላዒሉ ነይሩ።
ንሱ ድማ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣማዞን፡ ዝተመርዓው ደቂ ተባዕትዮ ክህነት ክለብሱ ኣለዎም ዝብል ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ፡ ዞባ ኣማዞን ዘሎ ሕጽረት ካህናት ንምፍታሕ ዝዓለመ እዩ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊክ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ዝተመርዓው ደቂ ተባዕትዮ ክህነት ክለብሱ ዝኽልክል ሕጊ ንምልሕላሕ ዳግመ ግምት ይገብሩ ከምዘለዉ ይግለጽ።
ኣብ 600 ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት ኣብ 2013 ብወለንተኦም ጡሮታ ዝወጹ ነባር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት ግን፡ ኣቕሽቲ ካቶሊክ ሓዳር ከይገብሩ ዝእዝዝ ሕጊ ከይልሕልሕ ኣጠንቂቖም።
ጳጳስ በነዲክት ነዚ ሓሳብ ዘንጸባረቑ፡ ኣብቲ ምስ ካልእ ሰብ ኮይኖም ዝጸሓፍዎ ገና ኣብ ሕትመት ዘሎ ሓድሽ መጽሓፎም ኮይኑ፡ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ስቕ ከምዘይብሉ'ውን ገሊጾም።
እቶም ወዲ 92 ዓመት ጳጳስ 'ሓዳርን ክህነትን ኣይሳነዩን' ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካህናት ሓዳር ከይገብሩ ዝእዝዝ ሕጊ፡ ኣብ ክህነት ካቶሊክ ወሳኒ ነገር እዩ።
ሓደ ሰብ ካህን ክኸውን ከሎ ንኣምላኽ ይምርዖ ከምዘሎ እዩ ዝረኣይ። ስለዝኾነ ድማ፡ ሓዳር ምግባርን ቤተሰብ ምምስራትን ከም ዓለማዊ ነገራት እዮም ዝረኣዩ።
ኣብ ኣማዞን፡ ሓዳር ዘለዎም ሰባት ኣቕሽቲ ክኾኑ ዝቐርብ ዘሎ ውጥን፡ ካህናት ካቶሊክ ብሓፈሻ ሓዳር ክገብሩ ንምፍቃድ ናይ መጀመርያ መገዲ ከምዝኾነ ዝርእይዎ ነቐፍቲ ኣለዉ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

