ንጽቡቕ ፋል፡ ሳናቲም ናብ ሞተር ነፋሪት ዝደርበየ ናይ ፈለማ እዋን ተሳፋራይ

ሞተር ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሞተር ነፋሪት
Published

ሓደ ወዲ 28 ዓመት ቻይናዊ፡ ንፈለማ እዋን ብነፋሪት ንምብራር ክሳፈር እንከሎ፡ ሰናይ ጉዕዞ ክኾነሉ ብምምናይ ናብ ሞተር እታ ነፋሪት ሳናቲም ደርብዩ።

በዚ ምኽንያት ድማ 17,200 ዶላር ነቲ መገዲ ኣየር ክኸፍል ተበይንዎ።

እቲ ሳናቲም ኣብ ጥቓ ኢንጅን (ሞተር) ናይታ ነፋሪት ምስተረኸበ፡ እታ ነፋሪት ሽዑ ንሽዑ ደው ክትብል ተገይሩ።

እቲ ሉ ቻኦ ዝበሃል ተሳፋሪ፡ ነቲ ተግባር ከምዝፈጸሞ ኣሚኑ። እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዘጋጠመ ኮይኑ ናብ ቤት ፍርዲ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ እዩ ቐሪቡ።

እንተኾነ፡ እቲ ዝሓለፈ ውሳነ ኣብ ቀረባ እዋን እዩ ንህዝቢ ተገሊጹ።

እቲ ኩነታት ምስኣጋጠመ፡ መተካእታ በረራ ክሳብ ዝዳሎን ናይ ውሕስነት ፈተሻታት ክሳብ ዝካየድን ተሳፈርቲ ጉዕዘኦም ክቕጽሉ ኣይከኣሉን።

ሉ ቻኦ ኣብ ፈለማ ን 10 መዓልታት አብ ቀይዲ ኣትዩ እንተነበረ'ኳ፡ ጸኒሑ ግን ካሕሳ ገንዘብ ክኸፍል ተገይሩ።

እቲ 'ለኪ ኤይር' ዝበሃል መገዲ ኣየር፡ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ልዕሊ 17,600 ዶላር ከምዝኸሰረ ኣብ ቤት ፍርዲ ገሊጹ።

ሉ ቻኦ፡ እቲ መገዲ ኣየር ንተሳፈርቱ 'ሳናቲም ናብ ነፈርቲ ከይትድርብዩ' ዝብል መጠንቀቕታ ክህብ ነይርዎ ክብል ተኻቲዑ።

ተሳፈርቲ፡ ከም መግለጺ ጽቡቕ ፋልን ትምኒት ሰናይ ጉዕዞን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክፍጽሙ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።