ሩስያ፡ ካብ ፍጥነት ድምጺ 20 ዕጽፊ ዝቕልጥፍ ሚሳይል ናብ ስራሕ ኣእትያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ልዕሊ ፍጥነት ድምጺ ክውንጨፍ ዝኽእል 'ኣቫንጋርድ' ዝበሃል ዓይነት ሚሳይል ናብ ስራሕ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።
እቲ ሚሳይላት ዝተተኸለሉ ቦታ ኣይተገልጸን፡ እንተኾነ ኣብ ምዕራባዊ ሩስያ ኣብ ዝርከቡ ጎቦታት ዩራል ዝትከሉ ምዃኖም ሰብ መዚ ሩስያ ቅድም ኢሎም ገሊጾም ነይሮም።
ፕረዚደንት ፑቲን ከምዝበሎ፡ እዞም ኑዩክለራዊ ኣጽዋር ክሽከሙ ዝኽእሉ ሚሳይላት፡ ካብ ፍጥነት ድምጺ ብ 20 ዕጽፊ ክውንጨፉ ዝኽእሉን፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘየለዉ ፍሉያትን እዮም ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ፕረዚደንት ብሰሉስ ክዛረብ እንከሎ፡ እቲ ኣቫንጋርድ ዝበሃል ሚሳይላዊ ስርዓት፡ ሕጂ ንዘለዉ ኮነ ኣብ መጻኢ ንዝስርሑ መከላኸሊ ኣጽዋራት ሓሊፉ ከጥቅዕ ዝኽእል እዩ ኢሉ።
"ልዕሊ ፍጥነት ድምጺ ዝውንጨፉ (ሃይፐርሶኒክ) ኣጽዋራት ዘለውዋ ዝኾነት ካልእቲ ሃገር የላን" ድማ ኢሉ።
ምዕራባውያንን ካልኦት ሃገራትን "ንዓና ከርክቡ እዮም ዘብዘብ ዝብል ዘለዉ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ፑቲን ንፈለማ እዋን ብዛዕባ እዞም 'ኣቨንጋርድ' ዝተሰምዩ ኣጽዋራት ዝተዛረበ ኣብ 2018 እዩ።
ኣብ ታህሳስ 2018 ኣብ ዝተገበረ ፈተነ፡ እዚ ሚሳይል 6000 ኪሜ ርሕቐት ተወንጪፉ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ከምዝብሎ፡ እቲ ሚሳይል ክሳብ ክልተ ሜጋቶን ኣጽዋር ኒዩክለር ክሽከም ዝኽእል እዩ።
ገለ ሰብሞያ ኣጽዋር ግን፡ ነቲ ብምኒስትሪ ምክልኻል ዝተዘርገሐ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣይ ኣብ ዓቕምታት ናይቲ ኣጽዋር ጥርጣረኦም ገሊጾም እዮም።
ኣመሪካን ቻይናን እውን፡ ሃይፐርሶኒክ ሚሳይላት ናይ ምምዕባል መደብ የካይዳ እየን ዘለዋ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
