ጓል ብሩስ ሊ፡ ብምኽንያት ናይ ኣቦኣ ስእሊ ናብ ክሲ ኣትያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
'ሪል ኩንግፉ' ዝበሃል ናይ ቻይናውያን ውሩይ እንዳመግቢ፡ ንስእሊ ብሉጽ በዓል ሞያ ማርሻል ኣርትስ 'ብሩስ ሊ' ከም ኣርምኡ ይጥቀመሉ።
ሼነን ሊ 'ናይ ኣቦይ ስእሊ ብዘይፍቓድ ተጠቒምኩም' ክትብል እያ ነቲ ቤት-መግቢ ከሲሳቶ ዘላ።
ንሳ፡ 'ብሩስ ሊ ኢንተርፕራይዝስ' ዝበሃል ትካል እትውንን ኮይና፡ እቲ ቤት-መግቢ ከም ኣርማ ዝተጠቐመሉ ስእሊ፡ ብዘይፍቓድ ዝወሰዶ እዩ ክትብል ክሲ ኣቕሪባ።
እቲ ቤት-መግቢ፡ ነቲ ስእሊ ብቕልጡፍ ክኣልዮ ዝጠለበት ኮይና፡ ብተወሳኺ ኸኣ 30 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ሓቲታ።
እቲ ቤት-መግቢ ድማ፡ ምምሕዳር ናይቲ ከባቢ ነቲ ኣርማ ኣፍቂዱለይ ኣጽዲቑለይ እዩ ክብል ተኻቲዑ።
ናብ ዝምልከቶ ኣካል ቀሪቡ፡ ተመምዩ ዝጸደቐ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ እንዳመግቢ "ን 15 ዓመታት ነዚ ኣርማ ክንጥቀመለሉ ጸኒሕና ኢና" ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
"ድሕሪ እዚ ኩሉ ዓመታት ክሲ ክቐርበልና ከሎ ዘገርም እዩ" ድማ ኢሎም።
እቲ ቤት-መግቢ፡ ኣብ ቻይና 600 ጨንፈራት ዘለዎን ብ 1990 ዝተመስረተን እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
