ቤት ፍርዲ ዩጋንዳ፡ ፍልጥቲ ጎስጓሲት ስቴላ ንያንዚ 50 ሚልዮን ካሕሳ ክወሃባ ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
Published
ቤት ፍርዲ ዩጋንዳ፡ ኣዘራራቢት ጎስጓሲትን ምሁርትን ስቴላ ንያንዚ 50 ሚልዮን ($13,000) ሽልንግ ኡጋንዳ ካሕሳ ክወሃባ ወሲኑ።
እዚ ገንዘብ ክኽፈላ ዝወሰነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካምፓላ፡ ናይ ምንቅስቓስ መሰላ ተጋሂሱ ብምባል ከም ዝኾነ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።
ስቴላ ንያንዛ፡ ኣብ መጋቢት 2017 ኣብ ኣምተርዳም ኣብ ዝካየድ ትምህርታዊ ኣኼባ ንምስታፍ ካብታ ሃገር ንኽትወጽእ ክትብል ብሚኒስትሪ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ተኸልኪላ።
ሽዑ መሰለይ ተጣሒሱ'ዩ፣ ንመመጓዓዚ፣ ቪዛን ሆቴልን ዘውጻእኽዎ ገንዘብ ይኸፈለኒ ዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊ ኢሚግሬሽን እታ ሃገር መስሪታ።
ነዚ ክሲ ክከታተል ዝጸንሐ ቤት ፍርዲ ድማ፡ እቲ ምኽልኻል ዓንቀጽ 24 ቅዋም እታ ሃገር ዝጥሕስ እዩ ብምባል 50 ሚልዮን ሽልንግ ኡጋንዳ ክወሃባ ወሲኑ።
ኣብ ፌስቡክ ብእትጽሕፎም ጸረ መንግስቲ ጽሑፋትን ግጥምታትን እትፍለጥ ስቴላ ንያንዛ፡ ንፕረዚደንት ዩዌሪ መሶቪኒ ጸሪፍኪ ተባሂላ፡ ን18 ወርሒ ክትእሰር ተፈሪዱዋ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እያ እትርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ነቲ መስርሕ ፍርዳ ብቪድዮ ክትከታል ዝተገብረት ንያንዚ፡ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ፍርዲ ብምቑዋም ኣጥቧታ ብምቕላዕ ተቓውሞኣ ገሊጻ ነይራ።



![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
