እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ እዋን ድቃስ ዝሓሸ ሕብሪ ብርሃን እንታይ'ዩ?
ኣብ እዋን ድቃስ ምቹእ ብዛዕባ ዝኾነ ብርሃን ዘጽንዕ ዝነበረ ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ካብ ስክሪን ዝምንጩ ሰብ ሰርሖ ብርሃን፡ ሰባት ድቃስ ክስእኑ ይገብር ኣሎ ኢሎም።
ከም እምነት እቶም ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ማንችስተር፡ ሰማያዊ ዝሕብሩ ብርሃን ግን ጸገም የብሉን።
እቶም ተመራመርቲ፡ ንምኻኑ ንሰዓት ድቃስ ዝጥዕም ሕብሪ ብርሃን ኣየናይ'ዩ? ዝብል ንምፍላጥ፤ ኣናጹ ተጠቒሞም።
ኣብ ጆርናል ከረንት ባዮሎጂ ዝተሓተመ ውጽኢት እዚ መጽናዕቲ፡ እቲ ብርሃን ክንደየናይ ብሩህን ዋዒ ዘለዎን'ዩ ዝብል እንተፈሊጥና መልሱ ቀሊል'ዩ ዝብል ኮይኑ፤ ኣካታዒ ኮይኑ ኣሎ።
እንታይ'ዮም ኣጽኒዖም?
ኩሉ ሰብ መዓልታዊ ዝድቅሰሉን ዝነቕሐሉን ተፈጥሮኣዊ ዑደት ኣለዎ።
ኣብ ደቂ ሰባት ዘሎ ሰዓት ሰብነትና ምስ ከባቢና ብምውዳድ ኣብ እዋን ቐትሪ ክንነቅሕ፤ ለይቲ ድማ ክንድቅስ ይገበር።
እንተኾነ እዞም ተመራመርቲ፡ እቲ ሕጂ ናይ ብዙሓት ወልፊ ኮይኑ ዘሎ ተንቀሳቓሲ ስልኪ፡ ዘለዎ ብርሃን፡ ነዚ ዑደት የቖጥዖ ከይህሉ ኢሎም ይሰግኡ።
ካብ ስክሪን ኮምፒተርን ተንቐሳቃሲ ስልክን ዝምንጪ ሰማያዊ ብርሃን ድማ፡ ከቢድ ፅልዋ ኣለዎ ዝብል ሓፈሻዊ ርድኢት'ውን ኣሎ።
እንታይከ ረኺቦም?
እቲ ጉጅለ፡ መጠን ብርሃን ሓደ መብራህቲ ብምንካይን ብምውሳኽን ከምኡ'ውን ካብ ሰማያዊ ናብ ቢጫ ሕብሪ ብምቕያር፡ ኣብ ኣናፁ ፈተነ ገይሩ።
ከምቲ ትጽቢት ዝገበሩዎ ድማ፡ ድሙቕ ብርሃን ወይ ሕብሪ ዕረፍቲ ዝኸልእ ኮይኑ ረኺቦምዎ።
ኣብ ክንዲ ቢጫ ብርሃን እቲ ብርሃን እንትድብዝዝን ሰማያዊ ሕብሪ እንክህሉን ግን ዚያዳ ዕረፍቲ ዝህብ ኮይኑ።
መራሒ እቲ ምርምር ዶክተር ቲም ብራውን፡ ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ምስቲ ገሃዳዊ ዓለም ዝገጥም ኮይኑ ከም ዝረኸቡዎ ይዛረብ።
"ኣብ እዋን ቀትሪ እንረክቦ ብርሃን ናባና ዝበፅሕ እቲ ፃዕዳ ወይውን ብጫ እዩ፤ እዚ ኣብ ቀንዲ ክፋል ሰብነትና ከቢድ ፅዕንቶ ይፈጥር። ፅልግልግ እንክብል ፀሓይ ምስ ዓረበት ድማ እቲ ብርሃን ሰማያዊ እናኾነ ይመፅእ" ኢሉ።
"ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሰብነትና ዝበጽሕ ጽልዋ ብርሃን ክነወግድ እንተደሊና፤ ድብዝዝ ዝበለን ሰማያዊ ሕብርን ክንጥቀም ይግባእ"።
ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ብርህ ዝበለ ፃዕዳ ወይ ቢጫ ሕብሪ ብርሃን፡ ካብ ድቃስ ዘንቅሑ ሕብርታት ብርሃን'ዮም።
እዚ ግን እንታይ ማለት'ዩ?
ምሸት፡ ናይ ሞባይል ስልክኹም ወይ እትጥቀምሉ ላፕቶፕ ብርሃን፡ ናብ ሰማያዊ ሕብሪ ክትንክዩ ኣለኩም፤ እዚ ኣብ ሰዓት ድቃስ ዘሕድሮ ጽልዋ ንምንካይ ሓጋዚ ተራ ኣለዎ።
"ሰባት ምሸት ብብዘሒ ብርሃን ዝጥቀምሉ ቴክኖሎጂ እንትቕይሩ፡ እቲ ስክሪኖም ቢጫ ሕብሪ ይሕዝ። ከም ናትና ግምት ግን፡ እዚ ምቅይያር ጽዕንትኡ ኣሉታዊ'ዩ" ይብል ዶክተር ቲም።
እንተኾነ እዚ ውጽኢት መጽናዕቲ፡ ተወሳኺ ምርምር ምክያድ ከም ዘድሊ ዘመላኽቱ ውጽኢታት ሒዙ ከም ዝመጽአ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።