እስራኤል፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት ሰለስተ ሃገራዊ ምርጫ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ሃገራዊ ምርጫ ከተካየድ ምዃና ተገሊጹ።
መራሕቲ ቀንዲ ተቐናቐንቲ ሰልፍታት ዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁን ተቓዋሚኡ በኒ ጋንዝ ብውልቆም ይኹን ብሓባር መንግስቲ ከቑሙ ብዘይምኽኣሎም'ዮም፡ ዳግማይ ናብ ምርጫ ክኣትዉ ተገዲዶም።
እዞም ክልተ መራሕቲ ኣብ ምምቕራሕ ስልጣን'ውን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን።
እቲ ምርጫ ዕለት 2 መጋቢት 2020 ክካየድ ምዃኑ'ውን ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ብጀነራል በኒ ጋንዝ ዝምራሕ ሰልፊ 'ሰማያውን ጻዕዳን' ካብ 120 መናብር ከነሰት 33 መናብር ተዓዊቱ ከምዝነበረን፡ ብበንጃሚን ናታናያሁ ዝምራሕ 'ሰልፊ ሊኩድን' ድማ 32 መናብር ተዓዊቱ ነይሩ።
ልዕሊ ፍርቂ ናይ 61 መናብር ባይቶ ዝረኸበ ሰልፊ ስለዘይነበረ ድማ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንመራሕቲ እዘን ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት ልፍንታዊ መንግስቲ ከቖሙ ጻውዒት ኣቕሪቡሎም ነይሩ።
እንተኾነ፡ መጀመርያ መን ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን'ዩ ኣብ ዝብል ስለዘይተሰማምዑን፤ በንጃሚን ናታንያሁ ጥሩፋት ኦርቶዶክስ ኣይሁዳውያን ኣብቲ መንግስቲ ክሓብሩ ስለዝደለየን፡ ከምኡ'ውን በኒ ጋንዝ ኣብ ትሕቲ ብብልሽውና ተኸሲሱ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይነ ከገልግል ኣይደልን ስለዝበለ እቲ ምምቕራሕ ሰልጣን ክሰምር ኣይከኣለን።
በኒ ጋንዝ፡ እታ ናይ መጀመርታ እብረ ክሕዛ ከም ዝደሊን ንበንጃሚን ናታንያሁ ከቐድም ከምዘይመርጽን ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነይሩ።
ዝሓለፈ ወርሒ፡ ናታንያሁ፡ ብብላዕ፡ ብምትላልን እምነት ብምጕዳልን ብዝብል ብላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ክሲ ከምዝተመሰረተሉ ይዝከር።
ናታንያሁ ግን ንዝቐረቦ ክሲታት፡ ከም ኣብ ልዕሊኡ ዝካየድ ዘሎ 'ዕልዋ' ክብል ነጺግዎ ነይሩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

