እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒጀር፡ ብውሑዱ 60 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም
ዕጡቓት ኣብ ዶብ ኒጀርን ማልን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብዝኸፈትዎ ቶኵሲ ብውሑዱ 60 ሰባት ተቐቲሎም።
ነዚ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ጉጅለ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብቲ ከባቢ ዳዕሽን በቲ ኣብ ናይጀርያ ዝመደበሩ ቦኮ ሓራምን ዝድገፉ ዕጡቃት ብብዝሒ መጥቓዕቲ ከም ዘካይዱ ዝፍለጥ'ዩ።
እዚ መጥቓዕቲ ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝኣወጆ ሰዓታት እቶ እቶ ንሰለስተ ኣዋርሕ ከመዝናወሖ ድሕሪ ምሕባሩ'ዩ ተፈጺሙ።
ሰራዊት ኒጀር ነቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ንምቁጽጻርን ዝርገሐኦም ንምጽባብን ኣብ ምርብራብ ከምዘለዉ እዮም ሰብ መዚ ኒጀር ዝሕብሩ።
ንጸጥታዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ዝከታተሉ ሰብ ሞያ፡ እቲ ኣብ ኒጀር ዘሎ ናዕቢ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎን፡ ብኡ መንጽር ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝግበር መጥቓዕቲ እዉን ብመጠኑ ይውስኽ ከምዘሎ ይሕብሩ።
ቅድሚ ሳምንታት እውን ብዳዕሽ ዝድገፉ ጉጅለታት ኣብ ዶብ ማሊን ኒጀርን ተመሳሳሊ መጥቓዕቲ ፈጺሞም ምንባሮም ጋዜጤኛ ቢቢሲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ልዊዝ ዲዋሳት ይሕብር።
ብሓፈሻ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብቲ ዞባ ግኑናት ኮይኖም ብጂ5 ዝፍለጣ ሃገራት ቡርኪናፋሶ፡ ማሊ፡ ሞሪታንያን ጫድን፡ ምንቕስቓስ እቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ንምግታእ ብልፍንቲ ይሰርሓ ምህላወን ይፍለጥ።