ኬንያ፡ ኣብ መገዲ ዝበጽሐን ለኸፋ ተመሊሰን ኣብ ጽርጊያ ዝጽሕፋ ደቂ ኣንስትዮ

ስእሊ ኣብ ጽርጊያ ዝበጽሐን ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝጽሕፋ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, PLAN International

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኪበራ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ መዓልታዊ ምግፋዕ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን ይዛረባ
Published

ኪበራ ኣብ ዝተብሃለ ካብ ኬንያ ዝዓበየ ሻውላት ዝነብራ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ፡ መዓልታዊ ኣብ መገዲ ዝበጽሐን ምግፋዕን ለኸፋን ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋ ጾታዊ ዓመጽ ንምቅላስ፡ ኣብ ጽርጊያ ይጽሕፍኦ ኣለዋ።

ዙቤይዳ የሱፍ ሙሉእ ዕድሚኣ ኣብ ኪበራ'ያ ኣሕሊፋቶ።

ኣብ መገዲ ዝበጽሕ ምግፋዕን ለኸፋን ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣካል ህይወታ ኮይኑ ከም ዝዘለቐ ትዛረብ።

"ደቂ ተባዕትዮ፡ ገጃፍ ኢኺ፤ ኣዴኺ ኣብ እንዳ ስጋ ድያ ትሰርሕ? ፈጣሪ፡ መቐመጫኽን ኣጥባትክን እንክፈጥር ናይ መወዳእታ ጭቃ ተጠቒሙ ድዩ ፈጢሩኪ?" ይብሉካ።

እዛ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ፡ "ኣብ መገዲ እዚ ኹሉ ክንብሃል ከለና፡ ንዓና ብዙሕ ነገር'ዩ" ትብል።

ድሕሪ ግዜ ግን፡ ዙቤይዳ እዚ ጾታዊ መጥቃዕቲ ክትቃለስ ከም ዘለዋ ኣሚና፤ ካልኦት ነዚ ንምምካት ዓቕሚ የብልናን ኢለን ስቕታ ዝመረጻ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ናብ ኣደባባይ ክወጽኣ ኣለዓዒላ።

ኵርሽን ሕብራዊ ብርዕን ዝጥቀም እዚ ጎስጓስ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ተጓንፎታተን ኣብ ማእኸል ጽርጊያ ይጽሕፋ።

"ሕጂ ሓደ ወዲ ተባዕታይ እንትጸርፈኒ፡ ጠጠው ኣቢለ ስለ ምንታይ ከም ዝጸርፈኒ'የ ዝሓቶ። ኮይኑ ግን ትሕቲ ዕድመ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ እዚ ክገብራ ዓቕሚ የብለንን" ትብል ዙቤይዳ።

"ነዚ ድማ'ዩ ከምዚኦም ዝበሉ ጎስጓት ጠቐምቲ'ዮም እንብል። ኩላትና፡ ነቶም ከምዚ ዝገብሩ ደቂ ተባዕትዮ ጠጠው ኣቢልና፡ ጽያፍ ነገራት ንጓል ኣንስተይቲ ምዝራብ ልክዕ ኣይኮነን ክንብሎም አላና"።

እቶም ዝጽሓፉ ዘለው መልእኽታት እንታይ ይብሉ?

"ኣካላተይ ኣኽብር" ሓደ ካብቶም ኣብ ማእኸል መገዲ ዝተጽሓፉ መልእኽታት'ዩ።

ብቋንቋ ስዋሂሊ ዝተጽሓፉ ካልኦት መልእኽታት ድማ፡ ዚያዳ ዝርብሹን ዘሕምሙን'ዮም።

ኣብ መገዲ ዝወሃቡ ቀረምቲ ርኢይቶታት፡ ስነ ልቦናዊ ጸገም ዝፈጥሩ ምኻኖም ይዝረብ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ መገዲ ዝወሃቡ ቀረምቲ ርኢይቶታት፡ ስነ ልቦናዊ ጸገም ዝፈጥሩ ምኻኖም ይዝረብ

ካሮላይን ዊካሊ ጓል 20 ዓመት እያ። ብዙሓት ዘጓነፉዋ ናይ መገዲ ርኢይቶታት ዘሰክፉን ዘሕዝኑን ምኻኖም ትዛረብ።

"ኣብ ጎንኺ ወዲ ተባዕታይ ከይሓዝኪ ክትጉዓዚ ከለኺ፡ ሓደ ዘጽልእ ነገር ከይተብሃልኪ ኣይትሓልፍን። ገለ ሻብሲ ምስ እንስሳ'ውን የተሓሕዙና"።

"ነብሰ ተኣማንነትካ'ዩ ዝጎድእ። ንበይነይ ኮፍ ክብል ከለኹ፡ ብሓቂ ከምቲ ኣብ መገዲ ሓደ ሰብ ዝበለኒ፡ ዘይረብሕ፣ ዘጽልእ ሰብ ድየ? ኢለ ንርእሰይ ይሓትት" ድማ ትብል።

ከም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መገዲ ብዛዕባ ዘጓንፈን ምግፋዕ ጥርኑፍን ውሁድን መረዳእታ ብዘይምህላው፡ እዚ ጸገም ንምፍታሕ በዳሂ ካብ ዝገብርዎ'ዮም።

ኣብ 2019 ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ዝተኻየደ ዳህሳስ ከም ዝብሎ፡ ትሕቲ ሓደ ዕስሪት ቃለ መሕትት ዝተገበረለን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መገዲ ዝበጽሐን ጾታዊ ምግፋዕ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ሓቢረን።

ኣመራርሓ ብዛዕባ ክህቡወን ዝኽእሉ መፍትሒ ርግጸኛታት ብዘይምኻነን ከምኡ'ውን ኣብ መገዲ ዝበጽሕ ምግፋዕ ከም 'ገበን' ይቑጸር ድዩ? ብዝብል ምኽንያት፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐን በደል ኣይሕብራን።

ሰብ ሞያ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ዘሎ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ማሕበረ ቁጠባዊ ተሳትፎአን ንከይዓቢ ይድርቶ ኣሎ ይብሉ።

"ዘይሳተፈሎም ቦታታትን ፍጻሜታትን ኣለው። ኣብ ዝኸነ ከባቢ ብዙሓት እኩባት ደቂ ተባዕትዮ እንትርኢ፡ ብጥቕኦም ኣይሓልፍን" ትብል ካሮላይን።

"ገለ ቦታታት ኣለው፡ ብፍላይ ኣጋ ምሸት ናብ ደገ ኣይወጽእን፡ ምኽንያቱ ብዙሓት ተዓሚጸን'የን"።

ገለ ደቂ ተበዓዕትዮ ኣካል እዚ ጎስጓስ ኮይኖም'ዮም

ምንጪ ስእሊ, PLAN International

መግለጺ ስእሊ, ገለ ደቂ ተበዓዕትዮ ኣካል እዚ ጎስጓስ ኮይኖም'ዮም

ኣብዚ ደቂ ኣንስትዮ ኬንያ ጀሚረንኦ ዘለዋ ጎስጓስ ኣብ ጽርጊያ፡ ገለ ደቂ ተባዕትዮ'ውን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

"ንብዙሕ እዋን ደቂ ተባዕትዮ ኣዘዝቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኻንና ክንኣምን ጸኒሕና። ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምስ እነዛርባ ግድን ክትዛረበና ኣለዋ ንብል ነይርና። ክሳብ ቀረባ እዋን ልክዕ ከም ዘይኮነ ኣይንርድኦን ነይርና። ቀስ ብቀስ ግን ንመሃር ኣለና" ኢሉ ወዲ 25 ዓመት ዊልሰን ሚና።