ጀርመናዊ ቀታሊ፡ ብዛዕብኡ ኣብ ኦንላይን ዘሎ ኩሉ ሓበሬታ ክጠፍኣሉ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ጀርመናዊ ብ1982 ብገበን ቅትለት ክልተ ሰባት ተኸሲሱ'ዩ፡ ንሕልፈት (ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ) ተፈሪዱ። ብዛዕብኡ ዝገልጹን ንስሙ ዘልዕሉን ኣብ ኦንላይን ዝተዘርግሑ ሓበሬታ ክለዓሉ ድማ ጥርዓን ኣቕሪቡ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ ንሱ ንዘቕረቦ ጥርዓን መሰረት ብምግባር፡ ብዛዕብኡ ዝዛረቡ ኣብ ኦንላይን [ኢንተርኔት] ዘለዉ ኩሎም መረዳእታታት ክጠፍኡ ውሳነ ኣሕሊፉ'ሎ።
ኣብ 2002 ካብ ቤት-ማእሰርቲ ምስወጽአ ኣሰር ገበናቱ ምስ ስም ስድራቤቱ ተተሓሒዙ ክለዓል ስለዘይደለየ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት-ፍርዲ ወሲድዎ'ዩ።
ብመሰረት ዘቕረቦ ሕቶ ከኣ ዝኾነ ይኹን ንስሙን ገበናቱን ዝገልጹ መረዳእታ ካብ ማህደር ኦንላይን ክጠፍእ በቲ ቤት ፍርዲ ተወሲኑ።
ነቶም ገበናት ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን ነቲ ኩነታት ዘረድኡ መጽሓፍን ሰነዳዊ ፊልምን ተዳልዮም ነይሮም'ዮም።
ብ1999 ድማ ደር ስፒገል ዝተበሃለ መጽሄት ካብ 1982 ክሳብ 1983 ንዝነበሩ ሰለስተ ጸብጻባት ምስ ምሉእ ስሙ ኣብ ዌብሳይት ጠቂዕዎም ነይሩ።
እቶም ጽሑፋት ክሳብ ሎሚ ኣብ ጉግል ሰርች ብቐሊሉ ክርከቡ ይኽእሉ'ዮም።
እቲ ኣቤቱታ እንታይ'ዩ?
እቲ ሰብኣይ ኣብ 2009 ብዛዕባ እቶም ጽሑፋት ምስፈለጠ'ዩ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲድዎ።
ንሱ መሰላቱን "ስብእንኡ ንምዕባይ ዝገብሮ ጻዕሪን" ከምዝተጠሓሱ ምዝራቡ ቤት ፍርዲ ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።
ፌደራል ቤት ፍርዲ ብ2012 ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ናቱ ብሑትነት/ሚስጥራውነት [ፕራይቬሲ] ካብ ረብሓ ህዝብን ናጽነት መራኸቢ ብዙሃንን ዘይበልጽ ምዃኑ ብምግላጽ ንክሱ ውዱቕ ገይሩ ነይሩ።
ኣሕተምቲ፡ ጽሑፋቶም ኣብ ማህደር [ኣርካይቭ] ኦንላይን ክዕቅቡ'ኳ መሰል እንተሃለዎም፡ ሕቶ ዘቕርብ ኣካል እንተሃልዩ ግን ክኣልይዎ ይግደዱ።
ጉዳይ 'ንኽትርሳዕ ዘፍቅድ መሰል'' ["right to be forgotten"] ኣዘራራቢ ኮይኑ፡ ንሕብረት ኣውሮጳን ጉግልን ናብ ክትዕ ኣእትዩ'ሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
