እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ ብሓደጋ ምህማም መሬት፡ ብውሕዱ 29 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ምዕራባዊ ኬንያ፡ ፖኮት ኣብ ዝባህለ ቦታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም መሬት፡ ብውሕዱ 29 ሰባት ተደፊኖም ከም ዝሞቱ ሰብመዚ'ታ ሃገር ሓቢሮም።
እቲ ምህማም መሬት፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዝሃርም ዝነበረ ብርቱዕ ዝናብ እዩ ኣጋጢሙ።
ብመሰረት'ቶም ሰብ-መዚ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ብርቱዕ ዝናብ፡ ንጽርግያታት ብውሕጅ ስለዘዕለቕለቐን፤ ሓደ መሰጋገሪ ቢንቶ ስለዝወሰደን ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ካብ ምንቕስቃስ ተዓጊቶም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ኬንያ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንኣዝማድ እቶም ግዳያት ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ፡ ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ዝናብ፡ ብዙሕ ንብረትን ትሐተ-ቅርጽን ከም ዝዓነወ ድሕሪ ምሕባር፡ ሰራዊት ሃገርን ካልኦት ናይ ግብረ-ሰናይ ትካላትን ኣብቲ ቦታ ተጓዒዞም ሓገዞም ከበርክቱ ትእዛዝ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።
ካብቶም ዝሞቱ፡ ሬሳ ሸውዓተ ህጻናት ጥራይ ተረኺቡ ከምዘሎ ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም ኣለው።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረድ ማትያጊ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ ሰብን ንብረትን ወሪዱ ዘሎ ጉድኣት፡ ብሰንኪ ከቢድ ኩነታት ኣየር፡ እኹል ገምጋም ክግበር ከምዝተኻእለ ሓቢሩ።
ኣብ 18 ሕዳር፡ ክፍሊ ምምሕዳር መትሮሎጂ ኬንያ ኣብ ዘውጽኦ መጠንቐቕታ፡ ኣብቲ ከባቢ ሓያል ዝናብ ክሃርም ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ እቲ ህዝቢ ዝግባእ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣመልኪቱ ነይሩ።
ኣብዘን ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ጉድኣት ከምዝበጽሓን ብማዕከናት ዜና ክቃላሕ ቀኒዩ'ሎ።