እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ንዝቐረበሎም ክሲ 'ዕልዋ መንግስቲ እዩ' ብምባል ተኸላኺሎም
ብጉቦ፣ ብምትላልን ከምኡ'ውን እምነት ምጉዳልን ብዝብል ዝተኸሰሱ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ እቲ ክሲ ከምዘይወዓልዎ ተዛሪቦም።
ነቲ ዝቐረበ ክሲ ድማ፡ "ዕልዋ መንግስቲ" ክብሉ ነፂጎሞ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ንነብሶም ንምክልኻል ኣብ ዝገበርዎ መደረ፡ "እዚ ጸለመ ንክዕወት ኣይፈቅድን" ክብሉ ተዛሪቦም።
ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ካብ ገለ ሃብታማት ነጋዶ ህያባት ብምቕባልን፤ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ እወንታዊ ሽፋን ንምርካብን፡ ንጋዜጠኛታት ጉቦ ብምሃብን ይሕመዩ።
"ብመሰረት ሕጊ ነዛ ሃገር መሪሕነተይ ክቕጸል እየ" ዝበሉ ኔታንያሁ፡ ኣብቲ ን15 ደቓይቕ ዝነበረ ክትዕ፡ ንዳይና፣ መርመርቲ ፖሊስን ኣንጻሮም ንዝንቀሳቀሱን፡ ፖለቲካዊ ሽርሒ ዘለዎ ክሲ ብምባል ተቓዊሞም።
"ኣብቲ ዝነበረ ከይዲ ምጽራይ፡ መርመርቲ ንዓይ ክሕዙ እምበሪ፡ ድሕሪ ሓቂ ኣይነበሩን" ክብሉ ድማ መርመርቲ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣቕሪቦም ክብሉ ተዛሪቦም።
ቅድም ክብል፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣቪቺ ማንደልቢት፡ "ብቅኑዕ ልቦና" ከምዝወሰነን ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ከምዘይኽእልን ገሊጹ እዩ።
"ልዕልና ሕጊ ምርጫ ኣይኮነን። የማናይ ወይ ፀጋማይ ናይ ምዃን'ውን ኣይኮነን። ጉዳይ ፖለቲካ ኣይኮነን" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረምን ሚያዝያን ክልተ ሃገራዊ መረጻታት ኣብ ዝካየደሉ እዩ፡ እዚ መግለጺ ዕላዊ ኮይኑ ዘሎ።
ፕረዚደን ሩቨን ሪቭሊን'ውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ሰብ-ሞያ ሕጊ፡ ኣብ ውሽጢ 21 መዓልታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ዝኽእል ሕጹይ ክቕርቡ ከምዝሓተቱን፡ ሳልሳይ መረጻ ከወግዱን ሓቲቶም እዮም።
ቀንዲ መናሓንሕቲ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ዝኾኑ ቢኔ ጋንትዝ፡ ድሕቲ እቲ ክሲ፡ ንዓቃቢ ሕግን ልዕልና ሕግን ዘለዎም ድጋፍ ብምግላጽ "ንእስራኤል ዘሕዝን መዓልቲ" ክብሉ ብመገዲ ትዊተር ገሊጾም።
እዚ ክሲ ንመጻኢ ዕጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ዝውስን'ዶ ይኸውን ዝብል ግን፤ ዝተፈለጠ ነገር የለን።