ተስፋን ሃንቀውታን ኣብ ዘላምበሳ

መዐደሊ ነዳዲ ኣብ ዘላምበሳ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ዝተሃነጸ መዐደሊ ነዳዲ
Published

ዶብ ዘላምበሳ-ሰርሓ ዳግም ብዕሊ ካብ ዝዕጾ ሓደ ዓመት ገይሩ'ሎ። መንግስቲ ኢትዮጽያ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘላምበሳ ክሰርሑ ዝመደቦም 33 ክኢላታት ኮሚሽን ጉምሩክ ከምኡ እውን 20 ኣባላት ዝሓዘት ሓንቲ ጋንታ ፖሊስ ፈደራል ኣብታ ከተማ ይርከቡ።

እቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ጉምሩክን ቀረጽን ዓንዩ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን'ዚ እቶም ክኢላታት፡ ሓንቲ ፀባብ ገዛ ተኻርዮም ንዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ዕዳጋ ይቆፃፀሩ።

እቲ ቀንዲ ዋኒኖም እቲ ዶብ ምስ ተኸፈተ ንግዳዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ብሕጋዊ መስርሕ ንኽሓልፍ ምምራሕን ምቁፅፃርን እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ዶብ መዓስ ዳግም ከምዝኽፈት ብክልቲኦም መንግስታት ዝተህዋበ ዕላዊ ሓበሬታ የሎን።

እንተኾነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ወደብ ባጽዕ ብማይ ሓባር ኣቢሉ ናብ ደቀምሓረ ዝኣቱን ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ዘላምበሳ ዘራኽብ ጽርግያ ይጽግኖን የሐድሶን ከምዘሎ ይፍለጥ።

ዛላምበሳ ኣብ ጽርጊያ ዓውዲ ዘኽይድ ሓረስታይ

ኣብዚ እዋን ግን እቲ ዶብ ስለዝተዓጽወ እቲ ፅርግያ ናብ ዓውዲ ተቐይሩ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዘላምበሳ ኣፋፍኖት ተስፋ ይንበብ። እቲ ዶብ ሎሚ ፅባሕ ክኽፈት'ዩ ብዝብል ተስፋ ትካላት ንግዲ ይህነፁ ኣለዉ።

ኣብታ ከተማን፡ ካብኣ ናብ ፋፂ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ኣብ ትርከብ ዝባን ሑፃ ኣብ ትበሃል ትዕምብብ ኣብ ዘላ ከተማን ክልተ መዐደሊ ነዳዲ ተሃኒፁ'ሎ::

ኣብ ከተማ ዘላምበሳ ከም ስሚንቶ: ቴንዲኖን ሑጻን ዝኣመሰሉ ናውቲ ህንጻ ይራገፍን ብብዝሒ ብሎኬታት ክስራሕን ይረአ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ዝባን ሑፃ: ህዝቢ ብብዝሒ ኣባይቲ ብምህናፅ ነቲ ከባቢ ናብ ዕሙር ከተማ ይቕይሮ ኣሎ::

ኣብ ከተማ ዘላምበሳ ሓንቲ ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ጥራይ ኣገልግሎት ትህብ ነይራ፤ ድሕሪ ምኽፋት እቲ ዶብ ግና ኣርባዕተ ባንክታት ኣገልግሎት ክህባ ተኸፊተን ኣለዋ።

ብኻልእ ወገን ከኣ: መንግስቲ ኤርትራ ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ቡሬ ኢትዮጵያ ዝኸይድ 71 ኪሎ ሜትር ቅጥራን ጽርግያ ጸጊኑ ንኣግልግሎት ድልው ከምዝገበሮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተገልጸ ይዝከር።