እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኬሚካል ኢንጂነሪንግ ተመሪቑ ኣብ ምጽራግ ጫማ ዝተዋፈረ ኢትዮጵያዊ
ብኬሚካል ምህንድስና ዝተመረቐ ቸኮለ መንበሩ ብዝተመሃሮ ዓውዲ ስራሕ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ከተማ ባህርዳር ጫማ እናጸረገ ይውዕል።
ገና ብቑልዕነቱ ወላዲ ኣቡኡ ብሞት ዝሰኣነ ቸኮለ፡ ኣዲኡ ካልእ ሓዳር ብምምስራታ ምስ ኣቦሓጎታቱ ክነብር ተገዲዱ።
ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስኣኸለ፡ ክመሃር ከምዝደልይ ንኣቦሓጉኡ እንተነገሮ'ኳ፡ 'መን ከምህረካ?' ዝብል ተስፋ ዘቕብጽ መልሲ ተወሃቦ።
ብድሕሪኡ ናብ እንዳ'ኩኡ ብምኻድ ጥሪት እናጓሰየ ክውዕል ጀመረ። መሓዙቱ ትምህርቲ ውዒሎም ክምለሱ ኣብ ዝርእየሉ እዋን ከኣ መሊሱ "ከመሃር እደልይ እየ" ዝብል ሕቶ ከቕርብ ገበሮ።
ክመሃር ዕድል እንተዘይሂቦምዎ ገዲፍዎም ከም ዝኸይድ ብምግላጽ ነዚ ሕቶ ኣቕረበሎም። ሕትኡ ተቐቢሎም ድማ ትምህርቲ ኣጀመርዎ።
ትምህርቲ ካብ ዝጅምር ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ምስ ቤተሰብ ብዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ካብ ገዛ ክወጽእ ተገዲዱ። ናብ እንዳ'ዲኡ ድማ ተመሊሱ ኣተወ።
ናብ እንዳወላዲቱ ክምለስ ከሎ ግን ክረምቲ ጥራይ ኣብቲ ገዛ ከሕልፍ ብዝተበጽሐ ስምምዕ'ዩ። መስከረም ምስኣተወ ድማ ክወጽእ ግድን ነበረ።
ዝሕግዞ ሰብ ብዘይምንባሩ ብጻዕሩ ትምህርቱ ክቕጽል ዝተረፎ ኣማራጺ ንሱ ጥራይ ኮይኑ።
ሽዑ ሓደ ጫማ እናጸረገ ዝናበር መሓዝኡ ምስኡ ክሰርሕ ሓሳብ ስለዘቕረበሉ፡ ወላዲ ኣቡኡ ዝተኸልዎም ኣእዋም ብ20 ቕርሺ ሸይጡ ብ'ሊስትሮነት' ከስርሕዎ ዝኽእሉ ኣቑሑ ዓደገ።
"ብድሕሪኡ ትምህርተይ ቀጺለ" ይብል ቸኮለ። ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ብምቅጻል ኣብ ትርፊ ሰዓቱ ጫማ እናጸረገ ትምህርቱ ይከታተል ነበረ።
"ትምህርተይ ንክቕጽል ክሕግዘኒ ይኽእል'ዩ ዝበልክዎ እንኮ ኣማራጺ ጫማ ምጽራግ ጥራይ እዩ። ፍርቂ መዓልቲ እናተምሃርኩ ፍርቂ መዓልቲ ይሰራሕ። ናይ ሞባይል ካርዲ [ግዜ ኣየር] እውን ይሸይጥ ነይረ" ይብል።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ናብራ ከቢድ ብዘይምንባሩ በተን ጫማ እናጸረገ ዝረኽበን ኣታዊ ናብርኡ ንምምራሕ ይጽገም ከምዘይነበረ ይዛረብ።
"ሰባት የተባብዑኒ ነይሮም። 'በዓል እከለ ከምዚ ከማኻ ሰሪሖም'ዮም ዶክተርን መሃንዲስን ዝኾኑ' እናበሉ ስለዝምዕዱኒ ብዛዕባ መጻኢ ይረኣየኒ ነይሩ" ክብል ይዝክር።
"እንታይ ክሰርሕ'የ?"
ካብ 3ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ጫማ እናጸረገ ትምህርቱ ብምክትታል፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእትው ውጽኢት ኣምጸአ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ድማ ኣተወ።
"ህይወት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝሓሸ ነይሩ" ዝብል ቸኮለ " ሓጋዚ ከምዘይብለይ ዘረጋግጽ መረዳእታ ካብ ቀበሌ ኣጽሒፈ ካብ 100 ክሳብ 200 ቅርሺ እናተወሃበኒ፤ ኣብ እዋን ክረምቲ ድማ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ እናሰራሕኹ ክረምቲ የሕልፎ ነይረ። መሓዙተይ'ውን ብዙሕ ወጻእታታት ይሽፍኑለይ ነይሮም" ክብል ይዛረብ።
ናብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ክኣትው ከሎ ዝመረጾ ክፍሊ ትምህርቲ 'ኣየናይ ቀልጢፈ ስራሕ ክረኽበሉ ይኽእል?' ብዝብል መዐቀኒ እዩ። ሽዑ ኤለክትሪካል ኢንጂነሪንግ ቀዳማይ ምርጭኡ ነይሩ።
ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ኬሚካል ኢንጂነሪንግ ስለዝነበረ፡ ብመሰረት ውጽኢቱን ካልኦት መምዘኒታትን ናብ ክፍሊ ትምህርቲ ኬሚካል ምህንድስና ኣተወ።
"ሽዑ ብዛዕባ ኢንዳስትሪ ብዙሕ ዝዝረበሉ እዋን'ዩ ነይሩ። ኣብታ ሃገር 'ብዙሕ መሃንዲስ የድሊ እዩ' ይበሃል ስለዝነበረ ጽቡቕ ዕድል ከም ዝኾነ ብምእማን መሪጸዮ" ይብል።
"ሓቂ ንምዝራብ ሊስትሮ ይሰርሕ ካብ ዝነበርኩሉ እዋን ጀሚረ ዝሓስቦ ዝነበርኩ 'ተቖጺረ ክሰርሕ እየ' ዝብል ነይሩ" ክብል ነቲ ዝነበሮ ተስፋ ይገልጽ።
ልክዕ ከምቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣትው ከሎ ዝተሓጎሶ፡ እዋን ምረቓ ክበጽሕ ከሎ "ጭንቀት ወሲኸ" ዝብል ቸኮለ፡ 'እንታይ ክሰርሕ እየ?' ዝብል ሕቶ ከምዘሕሰቦ ይዛረብ።
ኣለሻ ስራሕ
ቸኮለ ቅድሚኡ ካብ ዝተመረቑ ተምሃሮ እቶም ዝበዝሑ ስራሕ ክረክቡ ከምዘይከኣሉ ምስፈለጠ ስግኣቱ ወሲኹ። ስራሕ ስኢኑ ኮፍ ከይብል ክሓስብ ጀሚሩ።
"መሊሰ ናብታ ይሰርሓ ዝነበርኩ ስራሕ [ምጽራግ ጫማ] ኮፍ ክብል ድየ? ዝሓሰብክዎ ከይተሳኽዐ ክተርፍ? ተመሪቐ ብዘይ ስራሕ ኮፍ ክብል? ዝብሉ ብጣዕሚ የጨንቑኒ ነይሮም" ይብል።
ኣብ 2010 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ክምረቕ ከሎ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሓንቲ መደቀሲ ክፍሊ ዝነበሩ ተምሃሮ ኣዋጺኦም ሱፍ ከም ዝኸደንዎ ይዛረብ። ብድሕሪ ምረቓ ድማ ኣብ ባህርዳር ክጸንሕ ኣይመረጸን።
"ኣለሻ ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 3 ወርሒ ጸኒሐ። ናብ ኢንዳስትሪታት ፓርክ ብእግረይ እናዘርኩ ስራሕ እንተልይዎም ይሓትት ነይረ። ክሳብ ወልድያ'ውን ከይደ እየ" ዝብል ቸኮለ፡ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ንመዓልቲ 29 ቅርሺ እናተኸፈሎ ስራሕ ጀሚሩ ምንባሩ ይዝክር።
እዚ ስራሕ ግን ንመሰረታዊ ድልየታቱ'ኳ ዝመልኣሉ ኣይነበረን።
ትሕቲ ቀዳማይ ዲግሪ ረቋሕታት ዝሓቱ ዓይነታት ስራሕ ንምርካብ ዝተመዝገበሎም ቦታታት ነይሮም'ዮም።
ብቀበሌ ተወዲቦም ዕድል ስራሕ ካብ ዝረኸቡ መናእሰይ ሓደ ንምዃን ፈቲኑ ክሰምረሉ ኣይከኣለን። እቲ ዕድል ብዕጫ ብምንበሩ ናቱ ስም ካብ ሞንጎ ዕድለኛታት ኣይተረኸበትን።
ዳግም ናብ 'ሊስትሮነት'
ንኣዋርሕ ዝኣክል ኣለሻ ስራሕ እንተወፈረ'ኳ ሓሳብ ልቡ ክሰምረሉ ኣይከኣለን። እታ ዝተረፈቶ ሓንቲ ኣማራጺት ናብታ ዝነበራ ስራሕ ምምላስ ከም ዝኾነት ተገንዚቡ።
"ኣማራጺ ምስሰኣንኩ ናብታ ዝነበርክዋ ምጽራግ ጫማ ተመሊሰ" ይብል።
ጫማ እናጸረገ'ውን ስራሕ ምእላሹ ኣይገደፈን። ሓንቲ ጫማ ምስጸረገ ናብቲ ናይ ስራሕ ምልክታ ዝጥቀዐሉ ቦታ እናኸደ የርእይ።
እቲ ዕድላት ስራሕ ዝጥቀዐሉ ቦርድ ኣብ ጥቕኡ ብምንባሩ ብጽሕ ኢሉ ንምምላስ ብዙሕ ኣይጽገምን። "እናዞርኩ'ውን ስራሕ ምእላሸይ ኣየቋረጽኩን" ይብል።
"ነዚ ወለዶ ተስፋ ክተቑርጾ ኢኻ"
ቸኮለ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝረኸቦ ውጽኢት ዕድል ስራሕ ንኽስእን ምኽንያት ከምዘይኮነ ይኣምን።
እኳደኣስ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ መንግስቲ ገጹ ናብ ፖለቲካ ስለዝመለሰ፣ ዕድላት ስራሕ ምስ ዝምድና ምትእስሳሮምን ቁጽሪ ተመረቕቲ ምስ ብዝሒ ተመረቕቲ ዘይምምጥጣኑን ከም ምኽንያት የቐምጥ።
ብኬሚካል ምህንድስና ቀዳማይ ዲግሪ ሒዙ ጫማ እናጸረገ ዝረኣይዎ ሰባት ብዙሕ ርእይቶ ይህብዎ።
"ዝፈልጡኒ መምህራነይ ካባይ ንላዕሊ ይስንብዱ። ምስረኣዩኒ ርእሶም ደፊኦም [ብሓዘን] ይኸዱ። ገሊኦም ከኣ ቀሪቦም 'ኣጆኻ' ኢሎም ቁሩብ ገንዘብ ሂቦምኒ ይኸዱ። መሓዙተይ'ውን ከምኡ" ይብል።
ገሊኦም ሰባት ድማ "ነዚ ወለዶ ተስፋ ክተቑርጾ ኢኻ" ከም ዝብልዎ ይዛረብ።