እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ክልተ ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ብቤት ፍርዲ ተኣዚዙ
Published
ኣብ ኒው-ዮርክ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ፡ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ንግበረ-ሰናይ ተባሂሉ ዝተዋህቦ ገንዘብ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ጎስጓስ ብምጥፍፍኡ፡ 2 ሚልዮን ክኸፍል ኣዚዙ።
ወላ'ዃ ዶናልድ ትራምፕ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ትካል ኣብ 2018 እንተተዓጽወ፡ እቶም ኣኽበርቲ ሕግን እቲ ትካልን ግን ንረብሓት እቲ ፕረዚደንት ይውዕል ከም ዝነበረ ይኸሱ።
እታ ዳይና፡ እቲ ብትራምፕን ደቁን ዝካየድ ዝነበረ ናይ ግበረ-ሰናይ ትካል፡ ኣብ ፖሎቲካ ክሳተፍ ኣይነበሮን ክትብል ነቲ ወሳነ ኣሕሊፋ።
ብተወሳኺ፡ እታ ዳይና ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ገንዘብ ባዕሉ ክኸፍሎ ከምዘለዎ ኣዚዛ።
እቲ ገንዘብ፡ ምስ ትራምፕ ዝኾነ ርከብ ዘይብለን፡ ኣብ ሸመንተ ዝተፈላለያ ናይ ግበረሰናይ ትካላት ክወሃብ ድማ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ።
ዳይና ሳልያን ስካርፑላ ኣብ ዝሃበቶ ናይ መወዳእታ ብይን፡ ትራምፕ እቲ ብወተሃደራት ኣሜሪካ ነበር ዝተዋጽኣ ገንዘብ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ክውዕል ብምግባሩ፡ "ንዝተዋህቦ ሓለፍነት ግሂሱ" ክትብል ተዛሪባ።
ጠበቃታት ትራምፕ፡ እቲ ክሲ ናይ ፖሎቲካዊ ዕላማ ኣለዎ ድሕሪ ምባል፡ ንሰልፊ ዲሞክራት ነቂፎም።