ክልተ ገፈፍቲ ዓሳ ን16 ብጾቶም ቀቲሎም

Published

ክልተ ገፈፍቲ ዓሳ ሰሜን ኮርያ፡ 16 መሳርሕቶም ቀቲሎም ናብ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኮርያ ኣትዮም ብዝብል ዝተጠርጠሩ፡ ናብ ሃገሮም ተረኪቦም።

እቶም ውልቀሰባት፡ ብቐዳም ንማያዊ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ምስጋሮም፡ ብሰብመዚ ደቡብ ኮርያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ደቡብ ኮርያ፡ ንዝኾነ ካብ ሰሜን ኮርያ ሃዲሙ ዝኣተወ ሰብ ዕቑባ ክትህብ'ያ ጸኒሓ። እንተኾነ ግን እቶም ክልተ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ኣስጋእቲ'ዮም ኢላ።

ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ከም ሃደምቲ ዘይኮነ፡ ከም ገበነኛታት ተቖጺሮም'ዮም ተመሊሶም።

ንሳቶም ዶብ ድሕሪ ምስጋሮም፡ ሓይሊ ባሕሪ ደቡብ ኮርያ ንዕዖም ንምሓዝ ክልተ መዓልታት ከም ዝወሰደሉ ተፈሊጡ።

ክልቲኦም ምስ ካልእ ሰብ ብምትሕብባር ንመራሒ ናይታ ዝነበርዋ ጃልባ፡ ብሕማቕ ኣገባብ ይሕዞም ብምንባሩ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ከም ዝቐተልዎ፡ ንሰብመዚ ከም ዝተናዘዙ፡ ኣገልግሎት ዜና ዮንሃብ ሓቢሩ።

ድሕሪ'ዚ ነቶም ነቲ ስጉምቲ ዝተቓወሙ ብጾቶም'ውን፡ በብሓደ ቀቲሎሞም። ሬሳታቶም ድማ ናብ ባሕሪ ደርቢዮሞ።

ሰለስቲኦም ጥርጡራት ፈለማ ንሰሜን ኮርያ'ኳ እንተ ተመልሱ፡ ሓደ ካብኦም ብፓሊስ ምስ ተታሕዘ ግን፡ እቶም ክልተ ብጃልባ ናብ ደቡብ ኮርያ ክሃድሙ ተገዲዶም።

ሚኒስትሪ ሕብረት ኮርያታት ኣብ ርእሰከተማ ሶል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "መህደሚኦም ምኽንያት ክንኣምኖ ስለዘይካልና" ነቶም "ገበነኛታት" ክጸንሑ ከም ዘይየፍቀዱ ገሊጹ።

እቶም ክልተ ደቂ 20 ዓመት መንእሰያት፡ ኣብቲ ካብ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ናጻ ዝኾነ ዞባ ኣብ እትርከብ ፓንሙንጆም ዝተባህለት ቁሸት ንሰብመዚ ሰሜን ኮርያ ተረኪቦም።

ደቡብ ኮርያ፡ በዚ ቦታ'ዚ ሰባት ክጥርዝ እዚ ናይ መጀመርታ'ዩ። ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ጥርጡራት ገበን ናይ ምምሕልላፍ ስምምዕ የለን።

መብዛሕትኡ፡ እቲ ዝግበር ስግረ-ዶብ በቶም ካብ ምልካዊ መግዛእቲ ስርዓት ዝሃድሙ ሰሜን ኮርያውያን'ዩ ዝግበር።

እቲ ስግረ-ዶብ ሓደገኛ ምዃኑ፡ እንሓንሳብ'ውን፡ ወታሃደራት ንዕኦም ንምሓዝ እናተኮሱ ዶብ ከም ዝሰግሩ ጸብጻባት ይገልጹ።

ጸብጻባት ደቡብ ኮርያ ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ 2017፡ 1, 127 ኮርያውያን ካብ ሰሜን ንደቡብ ሃዲሞም።

እዞም ካብ ሰሜን ኮርያ ሃዲሞም ዝመጹ ስደተኛታት፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ምስ ኣተዉ፡ ሰብመዚ ስለያ ከቢድ መርመራ ከም ዝገብርሎምን፡ ቅድሚ ናጻ ምልቃቖም ንነዊሕ እዋን ኣብ ሓደ መዓስከር፡ ናይ ተሓድሶ ትምህርቲ ከም ዝህብዎምን ይፍለጥ።

ብኣንጻሩ፡ ቻይና፡ ነቶም ካብ ሰሜን ኮርያ ዝመጹ ኮርያውያን፡ ከም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብምርኣይ፡ ናብ ሃገሮም ትመልሶም።