ኣስመራ ኣኼባ በይነመንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰብመዝን ክኢላታትን ቁጠባዊ ኮምሽን ኣፍሪቃ ተአንግድ ኣላ

ተሳተፍቲ ኣኼባ በይነመንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰብመዝን ክኢላታትን ቁጠባዊ ኮምሽን ኣፍሪቃ 2019

ምንጪ ስእሊ, Twitter/Yemane G.Meskel

Published

ኣኼባ በይነመንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰብመዝን ክኢላታትን ቁጠባዊ ኮምሽን ኣፍሪቃ ንምብራቕ ኣፍሪቃ 2019፡ ምፍጣር ሓድሽ ዕድላት ንዞባዊ ውህደት ብዝብል ቴማ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ካብ 14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተዋጽኡ ከባቢ 300 ዕዱማት ይሳተፉ ኣለው።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ፡ ንዞባዊ ውህደት ዘቀላጥፍ ፍሉይ ክእለትን ዓቕምን ኣለዎ ድሕሪ ምባል፤ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ጎንጺ ኣየር ተስፋን ስኒትን የስተንፍስ ምህላውን እዚ ድማ ንዞባዊ ውህደት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ዞባ ንህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክቕይር ዝኽእል ዓቢይ ሃብቲ ዓቕሚ ሰብን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ከም ዘለዎ ዝሓበረ ሚኒስተር ዑስማን፡ እዚ ክውን ክኸውን ግና ሰብኣውን ነገራውን ዓቕሚ ትሕተቅርጺ ምምዕባል ቀንዲ ረቛሒ ምዃኑ ኣስሚሩ።

ኤርትራ ብውሽጣዊ ዓቕማ ተበጊሳ፡ ክትሰርሓሉ ምጽንሓን ኣብ ዝመጽእ ሒደት ዓመታት ማሕበረ ቁጠባዊ ለውጢ ንምምዝጋብ ኣንቂላ ምህላዋን'ውን ገሊጹ።

ፈጻሚ ጸሓፊት ቁጠባዊ ኮምሽን ንኣፍሪቃ ቬራ ሶንግወ ብወገና ንኣገዳስነት ዞባዊ ንግድን ትግባረ ኣፍሪቃዊ ኣህጉራዊ ከባቢ ነጻ ዕዳጋ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ኣፍሪቃዊ ኣህጉራዊ ከባቢ ነጻ ዕዳጋ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥራይ ናይ 1.8 ቢልዮን ዶላር መኽሰብን ን 2 ሚልዮን ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ከም ዝኽእልን ገሊጻ።

ኣፍሪቃዊ ኣህጉራዊ ከባቢ ነጻ ዕዳጋ ብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ክኽተም ከሎ ዛጊት ዘይከተመት እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራየ እያ።

ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዕጽፊ ናይ መላእ ኣፍሪቃ ማለት፡ ናይ 6.6% ቁጠባዊ ዕብየት ከመዝግብ ከሎ፡ ክሊማዊ ለውጢ፡ ቅልውላው ስደተኛታትን ሓደጋታት ጥዕናን ንመብዛሕትአን ሃገራት ብድሆታት ምንባሩ ይግለጽ። ቁጠባ ኤርትራ'ውን ብ4.2% ዕብየት ኣርእዩ እዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ኤርትራ፣ ኢትዯጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ርዋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ታንዛንያ፣ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ማዳጋስካር፣ ኮሞሮስን ሲሸልስን ይሳተፋ ኣለዋ።

ኣኼባ በይነመንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰብመዝን ክኢላታትን ንምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ዓመታዊ ዝኻየድ ኮይኑ፡ ንብድሆታት ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለታት ከምኡውን መፍትሒታት ኣብ ምንዳይን ይዝትይ።

እቲ ኣኼባ ካብ ክሳብ 7 ሕዳር ክቕጽል እዩ።