ትካል ማክዶናልድ ምስ መሳርሕቱ ፍቕራዊ ርክብ ንዝጀመረ ሓላፊ ካብ ስርሑ ሰጒጉ

ስቲቭ ኢስተርብሩክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ማክዶናልድ፡ ምስ መሳርሕቱ ፍቕራዊ ርክብ ንዝጀመረ ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ ትካል ስቲቭ ኢስተር ብሩክ ካብ ስርሑ ኣባሪሩ።

እቲ ፍቕራዊ ርክብ ብፍትወት ክልቲኦም ሰባት ዝተጀመረ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ዓብዪ ትካል ቀልጢፉ ዝቐርብ ምግቢ [fast foods]፡ ኢስተርብሩክ ''ሕጊ ትካል ጥሒሱ''ን ''ድኹም ገምጋም'' ወሲዱን ክብል ገሊጹ።

እቲ ሓላፊ ንሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣብ ዝጸሓፎ ኢ-ሜይል፡ ብዛዕባ ዝጀመሮ ፍቕራዊ ርክብ ወግዓዊ ዝገበረ ኮይኑ፡ ከምኡ ምግባሩ ስሕተት ምዃኑ ተኣሚኑ።

ብተወሳኺ እቲ ወዲ 52 ዓመት ፈጻሚ ስራሕ፡ ''ብመሰረት ደንቢ'ቲ ትካል፡ ንውሳነ ቦርድ ቅቡል ገይረ ክለቅቕ ይሰማማዕ እየ'' ኢሉ።

ስቲቭ ኢስተርብሩክ፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ፈጻሚ ስራሕ ማክዶናልድ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።

ንሱ ትሕዝቶን ኣሰራርሓን እቲ ትካል ከምዘመሓየሸ፤ ኣብ ጻንሒቱ ዋጋ መሸጣ ብጽሒታት (ብርክታት) ማክዶናልድ ብዕጽፊ ክውስኽ ከምዝኸኣለ'ውን ይግለጽ።

እቲ ትካል፡ ሓለፍቲ ምስ መሳርሕቶም ፍቕራዊ ርክብ ከይህልዎም ዝኽልክል ሕጊ ዘለዎ ኮይኑ፤ ስቲቭ ኢንትብሩክ ብድምጺ ቦርድ እዩ ክእለ ተገይረ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓላፊ ትካል ኢንተል ዝነበረ ብርያን ክርዛኒች ምስ መሳርሕቱ ፍቕራዊ ርክብ ብምጅማሩን እቲ ትካል ስለዘይፈቅድን ካብ መዝነቱ ወሪዱ እዩ።