እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋንትኡ ብገፊሕ ኣፈላላይ ዝሰዓረት ኣሰልጣኒ፡ ንሓንቲ ጸወታ ተቐጺዑ
ኣብ ሎንግ ኣይላንድ፡ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ (ኣሜሪካን ፉትቦል) ሓንቲ ጋንታ ንኻልእ ጋንታ 61-31 ብምስዓራ፡ ኣሰልጠኒ እታ ዝተዓወት ጋንታ ብወግዒ ተወቒሱ። በዚ ዘይልሙድ ፖሊሲ ዝተቐጽዐ ናይ መጀመርታ ኣሰልጣኒ ድማ ኮይኑ።
'ፐለይነጅ ሃይስ ስኩል' ዝተባህለት ጋንታ ዘሰልጥን ሮብ ሸቫር፡ ጋንትኡ ዘይተመጣጠነ ሽቶታት ክትእቱ ብምዕዛቡ፡ ንሓንቲ ጸወታ ተቐጺዑ'ሎ።
ብመሰረት ሕጊ እታ ከተማ፡ ኣሰልጠንቲ ዘሰልጥንዋ ጋንታ ካብ 42 ንላዕሊ ሸቶታት እንተ ኣመዝጊባ፡ ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ቀሪቦም መብርሂ ክህቡ ይግድዱ'ዮም።
እቲ ፖሊሲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝጸደቀ ኮይኑ፡ ድኹም ስፓርታውነት ንምግታእ ዝዓለመ እዩ።
ሮብ ሸቫር በዚ ዘይልሙድ ሕጊ ዝተቀጽዐ ናይ መጀመርታ ኣሰልጣኒ ኮይኑ'ሎ።
ኣሰልጣኒ እታ 61 ሸተታት ዝተቖጸራ ጋንታ ግና፡ እቲ ጸወታ ብዝተወደአ ይወዳእ ከም ዘየገድሶ ሓቢሩ።
እንተኾነ ግና፡ ኣሰልጣኒ ሾቨር ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ቀሪቡ፡ ጋንትኡ ብብዙሕ ሸቶታት እናመረሓት እንከላ ስለምንታይ ቅያር ተጻወቲ ክእቱ ከምዘወሰነ ክገልጽ ተገዲዱ።
እቲ ሰልጣኒ ንሓንቲ ጸወታ ስለዝተቐጽዐ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ግጥም ናይታ ጋንታ ኣይሳተፍን እዩ።
ገሊኦም ነቲ ኣስልጠኒ ብምድጋፍ፡ ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ተዛሪቦም። ኣማሓደሪ'ታ ቤትትምህርቲ ነቲ መጋባእያ ዘይሕጋዊ ክብል ገሊጽዎ።
በዓል መዚ እታ ከተማ ግና ነቲ ውሳነ ብምድጋፍ፡ "እቲ ፖሊሲ ኣዝዩ ብዙሕ ሸቶታት ካብ ምምዝጋብ'' ንምግታእ ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብዝሒ ሽቶታት ንስነልቦና እቶም ዝተሳዕሩ መንእሰያት ክሃሲ ከም ዝኽእል'ውን ወሲኹ ገሊጹ።