ጸላም ኣመሪካዊት ኣብ መደቀሲኣ እንከላ ብፖሊስ ተቐቲላ

Published

ኣታሽያና ጀፈርሰን ዝተባህለት ጓል 28 ዓመት ጸላም ኣመሪካዊት፡ ኣብ መደቀሲኣ እንከላ ብፖሊስ ተቐቲላ።

እቲ ፍጻመ ብቀዳም ዘጋጠመ ኮይኑ፡ እቲ ፖሊስ፡ ብመስኮት ናይ መደቀሲ ክፍላ ተኲሱ እዩ ቀቲልዋ።

ሓደ ጎረቤታ፡ ናይ መንበሪ ገዝኣ ማዕጾ ክፉት ኮይኑ ምስ ረኣዮ፡ ፖሊስ ንድሕንነታ ከጣልሉ ቴሌፎን ብምድዋል ሓበሬታ ሂቡ።

ነቲ ፍጻመ ዘርእይ ብወገን እቶም ፖሊስ ዝተስኣለ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተፈነወ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ፖሊስን እታ ግዳይን ዝነበረ ልውውጥ ዘረባ፡ ንክልተ ካልኢት ጥራይ ዝጸንሐ ምንባሩ እዩ ዘርእይ።

እቲ ስእሊ፡ ፖሊስ ነቲ መንበሪ ገዛ ክኸብዎ እንከለዉን ብውሽጢ እቲ መስኮት ጽላሎት ሰብ ክረኣዮም እንከሎን ዘርእይ እዩ።

ብድሕሪ እዚ፡ ሓደ ፖሊስ 'ኢድ ንላዕሊ' ድሕሪ ምባል ናብ ውሽጢ እቲ ብመስትያት ዝተሰርሐ መስኮት ተኲሱ።

እቲ ጻዕዳ ፖሊስ ግን፡ "ሓደጋ ከም ዘሎ ስለ ዝተሰመዖ" ከም ዝተኮሰ ፖሊስ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ እቲ ኣባል ፖሊስ፡ ካብ ስርሑ ኣዕሪፉ ክጸንሕ ዝተገብረ ኾይኑ፡ ምጽራይ ይግበር ከም ዘሎ'ውን ተገሊጹ።

እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኤዲት ዝተገብረ'ኳ እንተኾነ፡ እቶም ፖሊስ 'ፖሊስ ኢና' ኢሎም መንነቶም ክገልጹ ኣይረኣዩን እዮም።

ኣብ ውሽጢ እቲ መንበሪ ገዛ ንዝነበረ ኩነታት ኣየርእይን፡ ፖሊስ ኣብ'ቲ መደቀሲ ክፍሊ ረኺብናዮ ናይ ዝበልዎ ብረት ስእሊ ግን ኣብቲ ዝተፈነወ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ይረኣይ።

ኣብቲ እዋን፤ ኣታሽያና ነቲ ብረት ሒዛቶ'ዶ ነይራ ዝብል ግልጺ ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ኣብ ቴክሳስ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ብረት ክውንኑ ፍቑድ እዩ።

ፖሊስ ሓገዝ ሕክምና ከም ዝጸውዑ'ኳ እንተገለጹ፡ ኣታሽያና ግን ኣብ መንበሪ ገዝኣ እንከላ ከም ዝሞተት እዩ ተገሊጹ።

ንስድርኣ ዝወከለ ጠበቓ ከም ዝብሎ፡ ድምጺ ሰሚዓ ናብቲ መስኮት ቅድሚ ምኻዳ፡ ኣታሽያና ምስ ወዲ ሾምንተ ዓመት ወዲ ሓፍታ 'ጌም' እናተጻወተት ነይራ።

"ኣብ ቀረባ እዋን ኣዲኣ ስለ ዝሓመመት፡ ንሳ እያ ነቲ ቤት ትኣልዮ ነይራ" ዝበለ እቲ ጠበቓ "ክትቅተል ዘኽእላ ዋላ ሓደ ምኽንያት ኣይነበረን። ዋላ ሓደ። ፍትሒ ክንረክብ ኣለና" ኢሉ።

ኣታሽያና ምርቕቲ ዩንቨርሲቲ ክትከውን ከላ፤ ኣብ መሸጣ ናውቲ ሕክምና እያ ትሰርሕ ነይራ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝነበረ ኣባል ፖሊስ ከተማ ዳላስ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ንዝነበረ ቦታን ጂን ዝበሃል ጸሊም ኣመሪካዊ ምቕታሉ ይዝከር።