ኣንድሪው ያንግ፡ ፕረዚደንት ኣማሪካ ንምዃን ይፍትን ዘሎ 'እስያዊ ሊቅ ሒሳብ' '

Published

ኣንድሪው ያንግ ይበሃል፤ ኣብ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ንምውድዳር ሕጹይ ኮይኑ ቀሪቡ'ሎ። ንዜጋታት ኣሜሪካ ድማ ብነብሲ ወከፍ ኣብ ወርሒ 1 ሽሕ ዶላር ክኸፍል ተመባጺዑ።

ወዲ 44 ዓመት ሚልዮነር ያንግ፡ ሃፍቱ ኣብ ምርምር ቴክኖሎጂ ብምውፋር ይፍለጥ።

ንትራምፕ ክትክእ ዝክእል ትኽክለኛ "እስያዊ ሊቅ ቁጽሪ (ሒሳብ)" ከም ዝኾነ ብምግላጽ ብዘስምዖ ዘረባ ዝና ረኺቡ'ሎ።

ብተወሳኺ ከኣ ዕድሚኦም ልዕሊ 18 ዓመት ንዝኾኖም ኣሜሪካውያን ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመኩነት፡ 1000 ዶላር ወርሓዊ ድጎማ ክገብር ቃል ኣትዩ'ሎ።

ኣንድሪው ያንግ፡ ኣብ ፖለቲካ ብዙሕ ዝፍለጥ ሰብ ኣይነበረን። ሓደ ካብ ሕጹያት ዴሞክራት ፓርቲ ኣሜሪካ ኮይኑ ብምቕራቡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ሰዓብቲ የፍርይ ኣሎ።

ብምኽንያት ኣብ ዓለም ዘሎ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ፡ ናይ ብዙሓት ኣሜሪካውያን ዕድል ስራሕ ብማሽናት ወይ ሮቦታት ክውሰድ ከም ዝኽእል ይዛረብ።

ስለዚ እቲ በቢ ወርሑ ንኣሜሪካውያን ዝወሃብ 1000 ዶላር ኣብ ህይወቶም ዝለዓለ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ይገልጽ።

ካልኦት ብኣንጻሩ ዝወዳደደሩ ፖለቲከኛታት፡ ብመደረታቱ እንተባጨዉሉ'ኳ፡ ንሱ ግን "እቲ ሒሳብ ኣቐዲመ ሰሪሐዮ እየ። ካብ ውሽጥና እንተሰሪሕና ንምዕዋቱ ዝኸብድ ኣይኮነን" ይብል።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘካየዶም ጎስጓሳት፡ ካብ ሓፈሻዊ ቁጽሪ መረጽቲ 3 ሚኢታዊት ጥራሕ ደገፍ ረኺቡ'ሎ።

ናብ ጥቓ መወዳድርቱ ንምብጻሕ ድማ ገና ብዙሕ ይተርፎ። ካብ ምኩራት ሴናተራት ኮሪ ቡከርን ኤሚ ክሎቡቻርን ዝሓሸ ድጋፍ ምርካቡ ግን ተስፋ ከም ዘለዎ ብዙሓት ይገልጹ።

ኣብ መንጎ ሕጹያት ዴሞክራቲክ ሰልፊ ናይ መጀመርያ ክትዕ ካብ ዝግበር ኣትሒዙ፡ ዝያዳ ኩሎም ሕጹያት፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ትዊተር ስዒቦምዎ።

ኣንድሪው ካብ መናእሰይ ብተወሳኺ፡ ብዙሕ ተሳትፎን ውክልናን ካብ ዘይብሎም ተወለድቲ እስያ ዝለዓለ ድጋፍ ይረክብ ኣሎ።

ካብ ታይዋናውያን ስደተኛታት ስድራ ዝተረኸበ ኣንድሪው ያንግ፡ መበቆል ምብራቕ እስያ ዘለዎ ፈለማይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ እዩ።