እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቐጠር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ 28 ጎየይቲ ኣብ መንጎ ኣቋሪጸን
ኣብ ዶሃ፡ ቐጠር ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ብጉያ ማራቶን ዝሳተፋ ዝነበራ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን፡ ብምኽንያት ብርቱዕ ሙቐት ኣብ መንጎ ምቁራጸን ተገሊጹ።
ነቲ ውድድር ኬንያዊት ሩት ቼፕንጌቲች ክትዕወተሉ ከላ፡ ካብ 68 ጎየይቲ እተን 28 ብምኽንያት እቲ ሙቐት ኣቋሪጸን።
ኣብቲ ፍርቂ ለይቲ ዝተኻየደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ማራቶን ውድድር ካብ ዘቋረጻ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ሩቲ ኣጋ እያ።
ኣዳለውቲ እቲ ውድድር፡ እቲ ኩነታት ኣየር ነቲ ናይ ማራቶን ጉያ ዘይምቹእ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግማት ኣቐዲሙ ክካየድ ምግባሮም ተሓቢሩ።
ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ክካየድ ከሎ፡ እቲ ሙቐት 32 ዲግሪ ሴንቲግሬድ፡ ራሕሲ ድማ ልዕሊ 70% ይበጽሕ ምንባሩን ተገሊጹ።
ተዓዋቲት ማራቶን ቶኪዮ እትርከበን ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ጎየይቲ ኣብ መንጎ ከም ዘቋረጻ፡ ኣሰልጣኒ ማራቶን ኢትዮጵያ ሓዲ ኣዲሎ ሮባ ተዛሪቡ።
"ኣብ ሃገርና፡ ብከምዚ ኩነታት ኣየር ማራቶን ምጉያይ ዝሕሰብ ኣይኮነን" ኢሉ።
ጓል 23 ዓመት ቼፔንጌቲች ነቲ ጉያ ብ2 ሰዓት 32 ደቃይቕን 43 ካልኢትን ብምዝዛም ወርቂ ክትረክብ ከላ፡ ካልኣይቲ ባህሬናዊት ሳልሰይቲ ድማ ናሚብያዊት ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።
ቼፔንጌቲች፤ "ኣብ ከምዚ ዝበለ ፈታኒ ኩነታት ክዕወት'የ ኢለ ኣይሓሰብኩን" ክትብል ንወኪል ዜና ፈረንሳ ተዛሪባ።
ካብ መንጎ እተን ዘቋረጻ፡ ብሪጣንያዊት ቻርሎቴ ፑርዱኤን ካልኦት ፍሉጣት ጎየይቲ ከም ዝርከብወን ተፈሊቱ።