እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ሱዳን፡ ሳልቫ ኪርን ተቓዋሚኡ ሪክ ማቻርን መሰጋገሪ መንግስቲ ከቑሙ ተሰማሚዖም
ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን ተቓዋሚኡ ዝኾነ ሳልቫ ኪርን ናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርቱ ተሰማሚዖም።
እቲ ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ስርሑ ኣብ መፋርቕ-ሕዳር ናይዚ ዓመት ክጅምር ምዃኑ ሚኒስተር ሓበሬታ እታ ሃገር ገሊጹ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ጁባ'ዮም ነቲ ስምምዕ ብወግዒ ኣፍሊጦም።
ነቲ ኣብታ ሃገር ዳግማይ ዝተወለዐ ደማዊ ጎንጺ ንምብቃዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም ይዝከር።
ይኹን 'ምበር፡ መንግስቲ ነቲ ኣካል ናይቲ ስምምዕ ዝኾነ ምጥያስ ዕጡቓት ኣባላት ተቓወምቲ ጉጅለታት ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ክትግብሮ ከም ዘይካኣለ ይዛረብ።
እቲ ካብታ ሃገር ወጺኡ ዝጸንሐ ምክትል ፕረዚደንት ነበር፡ መራሒ ተቓዋሚ ሪክ ማቻር፡ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት'ዩ ናብታ ሃገር ኣትዩ።
ኲናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን፡ ህይወት ኣሻሓት ሰባት ዝቐዘፈን፡ ኣማኢት ኣሽሓት ዘመዛበለን'ዩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ቅድሚ ሕዚ ዝበጽሕዎ ስምምዓት ብምጥሓስ ናብ ግጭት ከም ዘምርሑ ይዝከር።
ብሓባር መንግስቲ ኣብ ዝመስረትሉ እዋን፡ ሪክ ማቻር ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ኣብ መንጎኦም ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ፡ ናብ በረኻ ብምህዳም ኣንጻር ማእከላይ መንግስቲ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ጀሚሩ ነይሩ።