ኢራናውያን ውሩያት ሰባት፡ መገዲ ከይዕጸዎም ብኣምቡላንስ ይጓዓዙ

ምንጪ ስእሊ, AFP
Published
ውሩያት ሰባት፡ ብብዝሒ ተሸከርከርቲ መገዲ ከይዕጸዎም፡ ብኣምቡላንስ ከምዝጓዓዙ ተገሊጹ።
ኣብ ኢራን፡ ከተማ ቴህራን ናይ ውልቀ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ናይ ዝህብ ትካል ሓላፊ ዝኾነ ሞጂታባ ሎሃራስቢ፡ ውሩያት ሰባት ናይታ ሃገር መገዲ ከይዕጸዎም ብኣምቡላንስ ከምዝጓዓዙ ግንድማ "እቲ ኩነታት ክንድቲ ሰባት ዝብልዎ ዝተጋነነ ኣይኮነን" ኢሉ።
ኣኽባሪ ሕጊ ከተማ ቴህራን፡ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ብጥቡቕ ቁጽጽር ክግበረሉ ኣዚዙ'ሎ።
ሎሃራስቢ ከምዝበሎ፡ መገዲ ከይዕጸዎምን ቀልጢፎም መታን ክበጽሑን ክብሉ ኣምቡላንስ ዝጥቀሙ "ውሩያት ሰባት ጥራይ ኣይኮኑን" እኳ እንተበለ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ኢራናውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ነቲ ኩነታት ነቒፎም። እንተኾነ፡ ሰባት በዚ ሓሪቖም ሕሙማት ንዝጸዓና ኣምቡላንሳትን ሓቀኛ ኣገልግሎት ንዝህቡ ሰባትን ከየንከላብቱ ተማሕጺኖም።
"ንኣምቡላንስ ቀዳምነት ምሃብ ግድን እዩ፤ ዋላ ሕሙም ኣብ ውሽጣ ናይ ምህላው ተኽእሎ 1% ጥራይ እንተኾነ" ኢሉ ሓደ ተጠቃሚ ማሕበራዊ መራኸቢ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
