ኣብ ፓሪስ፡ ሓደ ኣሳሳዪ 'ቀልጢፉ ሳንድዊች ስለዘየቕረበ' ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
Published
ኣብ ፈረንሳይ፡ ኣብ ሓደ ቤት-ብልዒ፡ ዝኣዘዞ ሳንድዊች ብምድንጓዩ ዝሓረቐ ሓደ ዓሚል፡ ተዅሲ ከፊቱ ንሓደ ኣሳሳዪ ከምዝቐተለ ተገሊጹ።
ፖሊስ ከምዝበሎ፡ እቲ ፍጻመ 'ኑዌሲ-ለ-ገሆ' ኣብ ዝበሃል ኣብ ዙርያ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ከባቢ፡ ዓርቢ ምሸት እዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ጥርጡር ሃዲሙ፡ ዛጊት ድማ ኣይተትሓዘን።
ኣምቡላንስ መጺኣ፡ ህይወት ናይቲ ኣብ መንኩቡ ዝተሃርመ ወዲ 28 ዓመት ኣሳሳዪ ንምድሓን ተፈቲኑ ኣይሰመረን።
ኣብቲ ፒዛን ሳንድዊችን ዝሽየጠሉ እንዳመግቢ ዝሰርሑ ሰባት፡ ዝኣዘዞ ምግቢ ንምድላው ግዜ ወሲዱ ብዝብል እቲ ዓሚል ከምዝሓረቐ ንፖሊስ ተዛሪቦም።
በቲ ፍጻመ፡ ሰራሕተኛታት ናይቲ እንዳ መግቢን ነበርቲ እቲ ኸባብን ሰምቢዶም እዮም።
ሓንቲ ጓል 29 ዓመት ነባሪት "ዘሕዝን ፍጻመ እዩ" ክትብል ንመደብር ዜና ፈረንሳይ ተዛሪባ።
"ገለ ጸገም ዘይብሉ፡ ህድኣት ዝዓሰሎ ቤት መግቢ እዩ ነይሩ። ካብ ዝኽፈት ገና ውሑድ ኣዋርሕ እዩ ኣቑጺሩ" ኢላ።
ገለ ነበርቲ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ መሸጣ እጽን ስኻርን እናበዝሐ ብምምጽኡ፡ ገበን እውን ይውስኽ ከምዘሎ ይዛረቡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
