እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሴካፋ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ትሕቲ 15 ናብ ኤርትራ ኣትያ
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ትሕቲ 15 ዓመት፡ ኣብ ፈላሚ ውድድር ኮንፈደረሽናት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) 2019 ንምስታፍ ናብ ኤርትራ ኣትያ።
እታ ጋንታ፡ ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ኤርትራ ትበጽሕ ዘላ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ስፓርት ጉጅለ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ድሕሪ ምፍራመን፡ ዲፕሎማስያዊ ርክበን ናብ ንቡር መሊሰን ይርከባ።
ቀዳማይ ግጥም ናይታ ኣብ ምድብ B ተመዲባ ዘላ ጋንታ ኢትዮጵያ፡ ጽባሕ ምስ ዩጋንዳ ክኸውን'ዩ።
"ንዓና ከም ናይ ቤተሰብ ምርኻብ'ዩ" ክብል ሓላፊ ፕረስ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብርሃኑ ጥላሁን ነቲ ታሪኻዊ ጉዕዞ ገሊጽዎ።
"ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኣዚና ሕጉሳት ኢና" ክብል ንቢቢሲ ስፓርት ተዛሪቡ።
"ን20 ዓመታት ተፈላሊና ኢና ጸኒሕና። ስለዚ፡ ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘላቒ ምሕዝነት ንምህናጽ፡ እዚ እቲ ዝበለጸ ዕድል'ዩ" ኢሉ።
ክልቲአን ሃገራት፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 1998 ኣብ መንጎአን ዝተወለዐ ኲናት፡ ዝኾነ ርክብ ኣቋሪጸን'የን ጸኒሐን።
ዋላኳ ናይ ክልቲኡ ወገን ፈደረሽናት ጽቡቕ ድሌት እንተሎ፡ ኣብ መንጎ ናይ ክልቲአን ናይ ዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታታት ክግበር ትጽቢት ዝተገብረሉ ምሕዝነታዊ ጸወታታት ዛጊት ኣይተኻየደን።
እታ ኣአንጋዲት ሃገር ኤርትራ፡ ኣብ መድብ "A" ምስ ብሩንዲ፡ ኬንያ፡ ሱዳንን ሶማልያን ተደልዲላ'ላ።
ሎሚመዓልቲ ኣብ ቀዳማይ ጸዋትኣ ምስ ብሩንዲ ዝተራኸበት ኮይና፡ 2 ብ 1 ብዝኾነ ውጽኢት ድማ ተረቲዓ።
ምስ ሶማልያ ዝገጠመት ኬንያ ድማ 3 ብ 1 ብምዕዋታ ነቲ ምድብ ብክልተ ጸብለልታ ሸቶ ትመርሖ ኣላ።