ትራምፕ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ንዝረኽቡ ሕጋውያን ስደተኛታት ዓላማ ይገብር

Published

ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ድኻታት ሕጋውያን ስደተኛታት ቪዛኦም ከናውሑን ቀዋሚ መንበሪ ፍቃድ (ግሪን ካርድ) ክረኽቡን ኣዝዩ ኸቢድ ገይርዎ።

እቲ ሕጊ፡ ካብ መንግስቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸይድ ከም ናይ መግብን ኣባይትን ሓገዝ ንዝግበረሎም ሕጋውያን ስደተኛታት ዓላማ ዝገበረ ኢዩ።

መንግስቲ ርእሶም ከም ዘይክእሉን ኣብ መጻኢ ኣብ ናቱ ሓገዝ ክሙርኮሱ ሙዃኖምን እንተወሲኑ መመልከቲ ወረቐቶም ክንጸግ ኢዩ።

እዚ ኣብ ሕጊ ተገይሩ ዘሎ ለውጢ "ርእስኻ ምኽኣል ዘተባብዕ ኢዩ" ክብሉ ሰብ መዚ ይገልጽዎ።

እቲ "ፓብሊክ ቻርጅ ሩል" ዝተሰምየ ሓድሽ ሕጊ ኣብ መዝገብ ፈደራል ተሓቲሙ ዝመጸ ኮይኑ ካብ ጥቕምቲ 15 ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ኢዩ።

እቶም ድሮ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ስደተኛታት በዚ ሓድሽ ሕጊ ብዙሕ ኣይክትንከፉን ኢዮም።

እዚ ሕጊ ንሓተትቲ ዑቕባ ውን ዝጸሉ ኣይኮነን።

ቪዛ ንምንዋሕ ዝሓቱን፡ ግሪን ካርድ ወይ ዜግነት ንዝሓቱ ግና እዚ ሕጊ ብቐጥታ ኢዩ ዝጸልዎም።

ግቡእ ደረጃ ዘለዎ ናይ ኣታዊታት ውሕስነት ከቕርቡ ዘይከኣሉ እሞ ኣብ መጻኢ ኣብ ናይ መንግስቲ ደገፍ (ከም ሕክምናን ገዛን) ክምርኮሱ ተኽእሎ ዘለዎም ናብታ ሃገር ነኸይኣትዉ ክኽልከሉ ኢዮም።

እቶም ድሮ ኣብታ ሃገር ኣትዮም ዘለዉ ድማ መመልከቲ ወረቐቶም ክንጸግ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ኣሜሪካ ከባቢ 22 ሚልዮን ሕጋዊ መንበሪ ዘለዎም ግናኸ ዜግነት ዘይተዋህቡ ኣለዉ። ብዙሓት ካብዚኦም ውን በዚ ሕጊ ክጽለዉ ትጽቢት ይግበር።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እዚ ሕጊ ኣብ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ስደተኛታት ዘነጻጸረ ዘይፍታሓዊ ክብሉ ኮኒነሞ። 'ዘ ናሽናል ኢሚግረሽን ለው ሰንተር' ዝተባህለ ትካል፡ እዚ ሕጊ ተግባራዊ ንኸይከውን ንምምሕዳር ትራምፕ ክኸሶ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።