እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ኣበይ ድኣ ክተርፈካ!? ሓመድ ድፋጫካ ክትሰቲ ኢኻ ...!" ጋሽ ኣበራ ሞላ
ንኽራር ዘዛርብ፡ ንኸባቢቡ ዝሕለቕ ስለሺ ደምሴ ( ጋሽ ኣበራ ሞላ)፡ ኣብ መበል 17 ፈስቲቫል ባህልን ስፖርትን ኢትዮጵያ ንምስታፍ ናብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪክ ኣብ ዝኸደሉ ረኺብና ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ሙዚቃ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ፖሎቲካ ኢትዮጵያ አዕሊልናዮ ኣለና።
ከተማ ዙሪክ ብዙሕ ፈልሲ ተተኺሉ'ሎ መስለኒ. . . ፡ ከምዚ ትርእዮ ዘለኻ ከተማ ዙሪኩ ኩሉ ምላ ቀጠልያ እያ።
[ሓቅኻ ኣለኻ] እዚ ኣርባዕተ ሚልዮን ዝተብሃለ ፈልሲ ኣብዚ ዝተተኸለ'ዩ ዝመስለ (ስሓቕ)።
ነዚ ከምዚ ርኢኻ ዲኻ ናብ ዓድኻ ኣቲኻ ወፍሪ ምትካል ፈልሲ ከተካይድ ጀሚርካ፡ ንኣዲስ ኣበባ ጀኔቫ ተምስላ'ዶ መሲልካ ነይሩ?
(ስሓቕ) ነዚ ርእየ ዘይኮነስ ቀደም ህጻን እንከለኹ፡ ኣብ ግዜ ኣቦሓጎታትይ፡ ኢትዮጵያ 60 ክሳብ 65 ሚእታዊት መሬታ ብጫካ ዝተሸፈነ እየ ነይሩ፡ ድሕሪኡ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ነዚ ክዕቅብዎ ኣይክኣሉን። ቁጽሪ ህዝቢ እናወሰኸ መጺኡ፡ ካብቶም ሰርዓታት ዝመጽኡ ዝነበሩ ዘይቁኑዓት ነገራት ድርቂ ኣኸቲሎም፡ ኩነታት ኣየር ተቐያይሩ፡ ህዝቢ ከኣ ነቲ ኣግራብ ንመዓላ ከውዕሎ ጀሚሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝሃነጽካዮም ዓይኒ ምድሪ ነይሮም። እቶም ዘልማዕካዮም መዘናግዒ ቦታታት'ውን መደርበዩ ጉሓፍ ኮይኖም ኣለዉ። ንምዃኑ ነዚኦም ክትርኢ እንከለኻ ናይ ተሳዓርነት መንፈስ'ዶ ይስመዓካ? ተስፋ'ዶ ትቆርጽ?
ኣይፋል. . . ተስፋ ኣይቆርጽን'የ ንምንታይ ኮምኡ ኮይኑ ኢለ ግን ይሓትት።
እንታይ መልሲ'ሞ ትረክብ?
መጀመርታ እዚ ከባባ ንምንታይ እዩ ከምዚ ኮይኑ ኢለ የሰላስል ነይረ፡ ኣብ መወዳእታ ዝረኸብክዎ መልሲ ግን፡ ቀዳማይ ባህርና ክልወጥ ኣይክኣለን፡ ፍልጠትና ከነዕቢ ኣይከኣልና።
ንሓንቲ ሃገር ስርዓት ወሳኒ'ዩ፡ ጥዑይ ዝኾነ ስርዓት ንሓንቲ ከተማ እንታይ ከምዘድልያ ይፈልጥ'ዩ፡ ኣብዚ እንዶ ረኣ እቲ መንገዲ ኣጋር፡ እቲ ምልክታት ትራፊክ ተሓሲብሉ ብጥንቓቐ ዝተሰርሐ'ዩ።
እሞ ናይ ስርዓታት ጸገም'ዩ ዲኻ ትብል ዘለኻ?
እንታይ መሲልካ ዝማዕበለ ኣተሓሳስባ ኣድላዪ እዩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ብዓል ስልጣን፡ ናብ ሓላፍነት ምስ ደየበ፡ ናቱ ምቾት ምውሓስ እምበር ናይ ካልእ ኣየሕስቦን'ዩ።
ሓደ ብዓል ስልጣን ናብ ሓላፍነት ክድይብ እንከሎ፡ ምዕባለኻን ፍልጠትካን ተጠቒምካ ንህዝቢ ኣማሓድር ዝተባህለ፡ ንዕኡ ግን ግዛእ፡ ኣብ ላዕሉ ኩን፡ ኮፍ ኢሉ፡ ጽብቕቲ መኪና ዘዊሩ፡ ጥዑም እናበለዐ ምንባር እዩ ዝመስሎ።
ስልጣን ዝሓዙ ሰባት ዝሰልጠነ ባህሪ የብሎምን፡ ካብ ዘይማዕበል ኣእምሮኸ ከመይ ኣቢልካ ኢኻ ምዕባለ ክትጽበ?
ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ጠቕሊልካ ህልም ኢልካ ኔርካ፡ በቲ ዝነበረ ስርዓት ኮርዩ'ዩ ዝብሉኻ'ውን ኣለዉ . . .
ከምኡ ኣይኮነን፡ ንኹነታት ትዕዘቦ'ሞ ኣገባብካ ትቕይር፡ ኣብቲ እትገብሮ ንጥፈታት መንግስቲ ክሳተፍ እንተዘይክኢሉ፡ ከመይ ኣቢልካ ንውልቀ ሰባት፡ ሰብ ሃብቲ፡ ተማሃሮ ተሳትፍ ትሓስብ፡ እምበር ተስፋ ቆሪጸ ደው ዝብልከሉ ግዜ ኣይነበረን።
ኣብ ባይቶ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ወጺአ፡ ሽልማት 'ግሪን ጎልድ" ረኺበ እየ፡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን ተሸሊመሉ እየ።
ኣዲስ ኣበባ ረሳሕ እያ፡ እንዳ ዓሶን ካልእ ሕማማትን'ያ ቤት ጽሕፍት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ናብ ትሩፑሉ ክቕይር ኣለዎ ኢሎም ብዓል ጋዳፊ ክካትዑ እንከለዉ ተቓሊስና ኢና።
ከምዚ ዝበልኩኻ፡ ምድፍፋእ ኣሎ፡ ቅንኢ ኣሎ፡ እቲ ስርዓት ጨምለቕለቕ ኢሉ'ዩ፡ እዚ እናኾነ ግን ተስፋ ኣይቆረጽናን።
ነዚ ሎሚ ቅነ ዝነበረ ምትካል ፈልሲ ኣመልኪትካኸ?
ኣበጋግስኡ ጽቡቕ'ዩ፡ ድሕሪ እጂኸ እንታይ'ዩ ክኸውን ከኣ የሕስበኒ'ዩ፧ ኣርባዕተ ቢልዮን ፈልሲ ኣብ ውሽጢ ከልተ ሰለስተ ኣዋርሕ ተተኺሉ ወይ ክትከልዩ ንዝብል ሓሳብ ክቕበሎ ይኸብደኒ'ዩ።
ክሳብ ሐጂ ክንዛረቦ ካብ ዝጸናሕና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ኣመራርሓ ከምዘየለን፡ እጂ'ውን ዘተሓሳሰበካ ትመስል። ቅድሚ ሕጂ ህዝቢ ንወፈራ ከም ዝልዓል ትገብር ነይርካ ኢኻ፡ ኣብነት ክትከውን ትኽእል ኢኻ፡ ለውጢ ንምምጻእ ዓቢ ድሌት ከም ዘላካ የስተብህል'የ። ንምንታይ ኣመሓዳሪ ከተማ ንምዃን ዘይትወዳደር፡ እንታይ እየ እቲ ጸገም? ፖለቲካ የፍርሓካ ድዩ?
ግደፍ ግደፍ . . . እዚ ስለጣን ዝብልዎ ንዓይ ዝኸውን አይኮነን።
ለውጢ ከተምጽእ ትደሊ እንተኼንካ'የ. . .
ኣይፋል ኣይፋል። ቀዳመይ ነገር ኣነ ከምዚ ዓይነት ነገር ኣይፈቱን'የ። ክኸውን'ውን ኣይደልይን'የ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮፍ ኢለ፡ ብወረቐት ዝስርሑ ነገራት ዘካይድ ዓይነት ሰብ ኣይኮንኩን።
እንታይ መሲልካ፡ ሓሳብ ምምንጫው እዩ እቲ ቀዳማይ ነገር፡ ነዚ ዝገብሩ ሰባት ኣለዉ፤ ነቲ ሓሳብ ናብ ተግባር ዝቕየሩ ሰባት ኣለዉ።
ነዚ ኩሉ ንኽውን ከኣ ሲቪል ማሕበረሰብ የድሊ።
ኣብ ሓንቲ ሃገር ሲቪል ማሕበረሰብ እንተዘይሃልዩ ዝኾነ ነገር ክስራሕ ኣይክእልን'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኢህአዴግ ግዜ፡ ሲቪል ማሕበረ ሰብ ንምድልዳል ምስ ብዓል ብርሃኑ ነጋ ኮይንና ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዝኾኑ ሰባት ነዛ ከተማ ንምጽራይ፡ ንምልማዕ ሓሳብ ኣበጊስና ምንቅስቓስ ጀሚርና።
ንምሸቱ፡ መለስ ዜናዊ ጸዊዑ "ንስኹም እንታዎት ኬንኩም ኢኹም [ንዓይ ኣይጸውዓንን] ሲቪል ማሕበረሰብ'ዶ ገለ'ዶ እናበልኩም ትተኣኻኸቡ ዘለኹም፡ ሰባት ዲኹም ከተአድሙ ደሊኹም?" ብምባል ነቶም ዝተኣከቡ ኣፈራሪሑ ሰዲድዎም።
ዝበዝሐ እዋን ብእግርኻ ኢኻ ትንቀሳቐስ፡ ብ 'ሜክሲኮ መገናኛ' ክትንቀሳቐስ እንከለኻ እንታይ ይስምዓካ?
[ እንታይ ግብር ኢኻ ትብለኒ ዘላኻ ብዘስምዕ ነዊሕ ድሕሪ ምስትንፋስ . . ] ኣቀዲመ ክነግረካ ጸኒሐ እየ፡ ከምዚ ትርእዩ፡ ናብ ዝኸድካ ኪድ ኩሉ ትርእዮ ግርምምምም'ዩ ዝብለካ።
ከምዚ ክነግረካ ዝጸናኩ ኣብዚ ዓዲ [ስዊዘርላንድ] ኩሉ ብመደብ እዩ ዝዕየ።
ኣብ ዓድና [ኢትዮጵያ] ካብ ሰሜን ካብ ደቡብ፡ ካብ ምዕራብ ካብ ምብራቕ፡ ሓረስታይ፡ መንእሰይ መንከ ተሪፉ ኩሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይውሕዝ ኣሎ።
እቲ ዝገርመኒ ነገር ከኣ እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ'ውን በዚ ምስዚ ኩሉ ሰብ እናተዳፍኡ እዮም ዝኸዱ፡ እንተኾነ ንሶም ኣብ ውሽጢ መኪና እዮም።
እንተኾነ ዋላ ኣብ ውሽጢ መኪና ኮይኖም ነዚ ኩሉ ጽቅጥቅት እናርኣዩ እንታይ ይሓሰቡ ግርም'ዩ ዝብለኒ።
እግዝኣቢሄር ግን ነዞም ከምዚኦም ነገራት ከይንርኢ ሓደ ዝነፈገና ነገር ኣሎ።
ዓለም ኣብ ከምዚ ዝበለ ምዕባለ በጺሓ እንከላ፡ ብብሄር ብዓሌት ብናይ ውልቃዊ ኣረኣእያዶ ምተሓመስና።
እንታይ እየ ክብል ደልየ፡ ብጽርግያ ክትጉዓዝ እንከለኻ ቁጽሪ ናይ ዝልምኑ ሰባት ማእለያ የብሉን።
ሕሉፍ ሓሊፉ ሓራስት ከይተረፋ እየን ኣብ ጎደና ወጽየን ዝልምና ዘለዋ ከምኡ'ውን ሽማግለታት ክልምኑ ትርኢ።
ብከባቢ 'ሜክሲኮ መገናኛ' ክትንቀሳቀስ እንከላኻ፡ ካብ ካልእ ፕላኔት ዝመጻእና እምበር፡ ብኣገባብ ተወሊድና ዓቢና ናብዚ ዝበጻሕና ሰባት ኣይንመስልን ኢና።
ብዝኾነ፡ ሕጊ፤ ስርዓት ዘለና ህዝቢ ኣይንመስልን ኢና።
ከምዚ ትርእዮ ዘለኻ፡ ኣብዚ ከባቢ ኣረጋውያን፡ ህጻናት ኣብዚ ንዖኦም ኢሉ ዝተሰርሐ ቦታ ጽቡቕ ግዜ የሕልፉ ኣለዉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባኸ ዓበይቲ፤ ህጻናት ዝጻወትሉ ቦታ ኣሎ ድዩ?
ኣረጋውያን ይኹኑ ህጻናት ኣብ ገዛ እዮም ዝውዓሉ፡ መን የፈልጥ ከምዚ እንተቐጺሉ ኣብ ዝባን ናሕሲ ምውዓል'ውን ክመጽእ እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ቦታ ዝብሃል የለን።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዕማኮ መሬት'ውን እንተተረኺባ ፖላሶ እዮም ዝሰርሕዋ፡ ኣብ ሞንጎ ገዛውቲ መጻወቲ ህጻናትን ኣረጋውያንን ኢሎም እኳ ቅሩብ መሬት ኣይገድፉን።
ሕጂ ከምዚ እንተቀጺሉ፡ ቁጽራና'ውን እናወሰኸ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ንመጻኢ እንታይ ኢና ክንከውን ኢላ ይጭነቕ'የ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጅመር ዘሎ ፕሮጀክት ገምገም ሩባ ምስ ተወደአ ንሰኻ ኣብቲ ልሙዕ ቦታ ብእግርካ ትንቀሰቐስዶ ይመስለካ? እዞም ብብልዮናት ዝቑጸሩ ፈልስታትከ ጸዲቖም ትርእዮምዶ ይመስለካ?
እዞም ዝበልናዮም እንተተገይሮም፡ ህዝቢ'ውን ዝሳተፍ እተኾይኑ ከመይ ዘይከውን?
ኣብዚ ገምገም ሩባ ዝከየድ ፕሮጀክት ክህሉ እየ።
ናይቶም ቦታታት ታሪኽ ዝጸሓፍኩ ኣነ'የ፡ እንጠጦ እንታይ'ዩ፡ ኣፍንጮ በር እንታይ እዩ፡ 6 ኪሎ፡ ቃሊቲ፡ ኣቃቂ እዚ ኩሉ ወሓዚ፡ ኣስማቱ፡ ብናይቲ ከባቢ ታሪኽ፡ ላዝኡ፡ ታሪኹ፡ ጽንጽዋዩ ነዚ ኩሉ ዝገልጽ ዛንታ ኣዳልየ ጽሒፈዮ እየ።
ቀዳማይ ሚኒስተር'ውን ደስ እናበሎ ጀሚርዎ ኣሎ፡ ዓቢ መደበ እዩ፡ ናይ ጨርቆስ'ውን ከምኡ ዓቢ መደብ እዩ፡ እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ጽቡቕ ሕልሚ እዩ ዘለዎ።
ግን ኣብዚ መደብ ዘማክሩ፡ ዝሕግዙ ሲቪል ማሕበረሰብ የድልዩ እዮም፡ መንእሰይ፡ ሽማግለ ኮታስ ኩሉ ክሳተፍ ኣለዎ።
ክንድዚ ፈልሲ ተተኺሉ ንምባል ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዚ ፈልሲ ኣብ መሬት ቅድሚ ምትካልካ ኣብ እእምሮ ሰባት'የ ክትከል ዘለዎ።
በል ጋሽ ኣበራ ሕጂ ሕጽር ብዝበለ ሕቶታት ዕረፍቲ ክንገብር፡ ንመወዳእታ ግዜ ባድላ ዝገበርካሉ ግዜ ምዓስ'ዩ ነይሩ?
ባድላ ገይረ ኣይፈልጥን'የ። ሓደ መዓልቲ ኦፕራ ዊንፍረይ ዝመጻትሉ ተኸደን ተባሂለ ተኸዲነ።
መኪናኸ ኣላትካዶ?
ክትህልወኒ እያ ግን . . . .
እንታይ'ዩ ሕጽረት ሰልዲ ድዩ? ህዝቢ ከዋጽእ ዝድለ እንተኾይኑ ይነገሮዶ? . .
[ስሓቅ] ስለዝህወኽ'የ መኪና ዘይብለይ።
ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ክንደይ ኪሎ ሜተር ብእግሪ ትጉዓዝ?
ኣብ ከባቢ ኣያት'የ ዝነብር፡ ናብ ቦሌ ክኸይድ እንድሕር ኮይነ ካብ 15 ክሳብ 20 ኪሎሜተር ክጓዓዝ ኣለኒ።
ጥረ ስጋ ትብልዕ'ዶ?
ጥረ ስጋ ትብልዕ'ዶ?
እንታይ ዓይነት መግቢ ደኣ ተዘውትር?
ኣነ ምስ መግብን ገንዘብን ብዙሕ ኣይቐራረብን'የ።
ኣነ ምስ መግብን ገንዘብን ብዙሕ ኣይቐራረብን'የ።
ኣነ ንገንዘብ ብዙሕ ናብ ነብሰይ ኣየቅርቦን'የ፡ ክደልዮ እንከለኹ፡ 'ንዓስኪ'ታ' ኢለ ይጽውዖ፡ ክራይ ገዛ እኸፍል ካብኡ ከኣ ናብ ዝነበሮ ይኸይድ።
እሞ ገንዘብሲ ምጻእ ኢለዮ ይመጽእ፡ ኪድ ኢለዮ ይኸይድ ዲኻ ትብል ዘለኻ?
እወ [ስሓቅ]
እዚ ሕብረተሰብ ናይ ሞራል ክብርታቱ እናተሸራረፈ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ'ዶ ይስምዓካ?
ኣጸቢቑ'ምበር፡ ህላዌና ዝሰኣንናሉ እዋን ኢና'ኮ በጺሕና ዘለና፡ እነተዘይከውንዶ ብዝኸድካዮ . . . . እህህህ!
ቅድሚ ሕጂ ናብ ሃዋሳ፡ ክትከይድ እንተሓሲብካ ኤጁቶ ከምዚ ክገብረኒ እዩ፡ ኦሮምያ ክትከይድ እንተሓሲብካ ቄሮ ከምዚ ክብለኒ እዩ፡ ናብ ኣምሓራ ክትከይድ እንተሓሲብካ ፋኖ ገለ ክብለኒ እዩ ዝብል ሓሳብ ነይሩ ድዩ?
መንእሰይ ብዓሌት፡ ብሃይማኖት፡ ብብሄር ተበታቲኹ እናጸበበ፡ በትሪ ሒዙ ንሓድሕዱ ክከራተምዶ ይውዕል ነይሩ'ዩ?
ካብዚ ዝኸፍእ ምጥፋእ'ሞ እንታይዶ ኣሎ'ዩ? እንታይከ ዘይኮንናዮ ኣሎ? ሰብ እናሰቐልና፡ ንሰብ እናቆራረጽና፡ ሰብ እናቐተልና፡ ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም እናፈናቐልና፡ እስኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይተገበረ ኩፉእ ነገር እንተልዩ ንገረኒ?
ብሓደ ግዜ ናብዚ ደረጃ እዚ ምብጽሑ ግን እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት?
ብሓደ ግዜ ዝመጸ ኣይኮነን፡ እስከ ሕሰቦ ውሑድ ዓመታት መዓስ ኮይኑ። ኣብ እዋን ደርጊ ተጀሚሩ፡ ኣብ ግዜ ኢህአዴግ ተዛዚሙ፡ ሰላሳ ዓመት እኮ'ዩ።
ምስ 17 ዓመታት 50 ዓመት እኮ'ዩ ዝኸውን ዘሎ፡ ሕሰቦ ፍርቂ ዘመን።
ንዝሓለፈ 50 ዓመታት ብዛዕባ ምክፍፋል ዝተዘመረሉ ሰብ ከመይ አቢሉ'ዩ ናይ ሞራል ክብርታት ክህልዎ?
ብወሰን ተፈላሊና፡ 99 ባንዴራታት ኣትሒዞም ኣብ ርእስና ወሰን ኣስፊሮሙልና፡ ብሃይማኖት፡ ብዓሌት፡ ብብሄር ሓጾሮሙና፡ ሰዓዕ ዘሪእካ ስገም ኣይትዓጽድን ኢኻ።
እዛ ሃገር እዚኣ ናብ ህልቂት ከተምርሕ እያ ዝብል ስግኣት ኣለካዶ?
[ዝን ድሕሪ ምባል] ሶርያ፡ ሶማልያ፡ እንታይ ድየን ኮይነን ዘለዋ? ሶማልያኮ ጎሮቤትና እያ፡ ናይ ግድን ድዩ ናብ ውሽጢ ሃገርካ ክመጻካ ዘለዎ?
ኣብ ጎሮቤትካ እንታይ ኣጋጢሙ እናርኣኻ 'ንሕናኸ እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና?' ምባል ክጠፍኣና።
እዚ ኢልካ እንተዘይሓሲብካ ኣበይ ድኣ ክተርፈካ ሓመድ ድፋጫኻ ክትሰቲ ኢኻ፡ ይጻወት ኣይኮንኩን ዘለኹ።
እሞ ነዚ ኩሉ መን'ዩ ክሕተተሉ?
ናይ ዓሌት ሕማም ዘለዎም ኣለዉ፡ ኦሮሞ በል፡ ኣምሓራ በል፡ ትግሬ በል እናበሉ ብዓለት ዝመረዙ ሕሙማት ኣለዉ።
እዞም ነዚ ሕማም ዝነዝሑ ዘለዉ ሕሙማት ክልለዩን ክፍለዩን ኣለዎም።
ናበይ ክፍለዩ?
ብሕጊ፡ ብስርዓት ይእሰሩ፡ [ብቁጥዕ ስምዒት] መንግስቲ እንታይ ድዩ ዝገብር? ሓላፍነቱ እዚ'ዶ ኣይኮነን?
ነዚ ኹሉ ጸገም ዘምጽኡ ዘለዉ ሰባት እኮ ብሚልዩናት ዝቑጸሩ ኣይኮኑን፡ ውሑዳት'ዮም። ኣብትን ኣብዝን ጥቕሞም ከይትንከፍ ክርቢት ጽልኢ እናወልዑ ኣሽሓት የፈናቕሉ ኣለዉ።
እዞም ሰባት ፍሉጣት'ዮም፡ ነቲ ምንጪ ምንቃጹ'ዩ።
ነዞም ትብሎም ዘለኻ ምእሳር ናብ ዝኸፈአ ሽግር'ዶ ኣየምርሕን ትብል? ብዙሓት ሰዓብቲ ኣለዉዎም . . .
ጽቡቕ ኣለኻ፡ ክልተ ነገር እዩ፡ እዚ መንእሰይ ክንደይ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ እዩ፡ ክንደይ ካብኡኸ ስራሕ ኣለዎ። እንተርኢኻ ዝበዝሐ ሰራሕ ኣልቦ'ዩ?
ናብ ትግራይ እንተኼድካ ብዙሕ መንእሰይ ስራሕ የብሉን፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ስርዓት ግን፡ ሓርበኛ ኢኻ ጅግና ኢኻ እናበለ የናቑቶ ኣሎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ኩሉ ካልእ ቦታ፡ ኮታ ኣብ ዝኸድካዮ ከምኡ'ዩ ዘሎ።
ነዚ ዘካውን ዘሎ ኢኻ ክትሕዞ ዘለካ፡ ፋኖ እየ፡ ኤጄቶ እየ፡ ቄሮ እየ ዝብል ኩሉ ካልኦት ሰባት እዮም ዝጥቀምሉ ዘለዉ እምበር ንሱስ ስራሕ እዩ ዝደሊ።
ስራሕ ስለዘይብሉ ድኻ ስለዝኾነ መጋበርያ ይገብርዎ ኣለዉ፡ ድኻ እንተዘይከውን ስቕ ኢሉ ኣይምተላዕለሎምን ነይሩ።
ጋሽ ኣበራ ሞላ፡ ናይ ብሓቂ ዲሞክራሲ እንተዝህሉ ኣይምተወዳደርካን፡ ሓቂ ተዛረብ?
ኣይወዳደርን'የ፡ ሓቂ ንምዝራብ ኣነ ኣብ ከምዚ ዓይነት እንተኣትየ ኣነነተይ ክስእን እየ።
ኩሉ ሰብ ናብ ስልጣን ክድይብ ኣይክእልን'ዩ፡ ኩሉ ሰብ ገዛ ክሰርሕ ኣይክእልን'ዩ፡ ሓደ ገዛ ይሰርሕ ካልእ ከኣ ይካረ።