እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሒ እስላማዊ ምንቅስቃስ ናይጀርያ ኢብራሂም ዛክዛኪ፡ ንሕክማናዊ ሓገዝ ናብ ህንዲ ይጎዓዝ
ቤት ፍርዲ ናይጀርያ ንመራሒ ናይቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ብኢራን ዝድገፍ እስላማዊ ምንቅስቃስ እታ ሃገር፡ ኣብ ህንዲ ሕክምናዊ ረድኤት ክረክብ ኣፍቂዱ።
ደገፍቲ ኢብራሂም ዛክዛኪ፡ ክፍታሕ ብምጥላብ ንኣዋርሕ ዝኣኽል ኣብ ርእሰ ከተማ ኣቡጃ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይዱ ጸኒሖም።
ወዲ 66 ሸኽ ዛክዛኪ ብተሓታትነት ቅትለትን ካልእ ገበናትን ኢዩ ዝኽሰስ። ንሱ ግን ነዚ ክሲ ከነጽጎ ጸኒሑ ኢዩ።
ደገፍቱ ከም ዝብልዎ፡ ክልተ ግዜ ፈኲስ ወቕዒ ዘጋጠሞ ኮይኑ፡ ኣዒንቱ ውን ደኺሙ እዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ ንሸኽ ዛክዛኪ ዘሰኒ ሓደ ልእኽ ክኸይድ ኣዚዙ ኣሎ። በዚ ድማ ዛክዛኪ ሕክማና ምስ ወድአ ናብ ሕጋዊ መስርሕ ክምለስ ኢዩ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓሱረ-ዓመት ብሸኽ ዛክዛኪ ዝተመስረተ እስላማዊ ምንቅስቃስ ናይጀርያ ንውሳኔ እቲ ቤት ፍርዲ ብሓጎስ ተቀቢልዎ ኣሎ። "ዓወት ሓቅን ፍትሕን ኣብ ልዕሊ ዓመጽን ጭቆናን" ክብል ድማ ገሊጽዎ።
እቲ ምንቅስቓስ፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ መራሒኦምን ኣብ ልዕሊ እታ ካብ 2015 ኣብ ቀይዲ ዘላ በዓልቲ ቤቱ ማላማ ዚናትን ከቢድ ማህሰይቲ ከም ዘውረደ ኢዮም ዝኸሱ።
እቲ ምንቅስቃስ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጉኡን ሓይልታት ጸጥታን ዘጋጠመ ሓያል ግጭት ኣብ ወርሒ ሓምለ በታ ሃገር ተኣጊዱ ኢዩ።
በቲ ዘጋጠመ ግጭት ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስን ጋዜጠኛን ዝርከብዎም ሓያለ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይዝከር።
ፕረሲደንት እታ ሃገር መሓመዱ ቡሃሪ እቲ ጉጅለ "ብሕሉፋት ዝምራሕ ኣብ ክንዲ ሰላም ጎንጺ ዘቐድም" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።