ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ኮሎኔል ቢንያም ተወልደ ብዋሕስ ንክፍታሕ ኣዚዙ

Published

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ብገበን ብልሽውና ንዝተኸሰሰ ምክትል ሓላፊ ኤጀንሲ ድሕነት መረበብ መረዳእታ (ኢንሳ) ነበር ኮሎኔል ቢንያም ተወልደ ብ30 ሽሕ ብር ዋሕስ ንክፍታሕ ኣዚዙ።

ኮሎኔል ቢንያም ተወልደ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብገበን ብልሽውና ካብ ዝኸሰሶም ላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገር ሓደ'ዩ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ 'ግዳይ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ'ዩ ኾይኑ፤ ኮነ ኢሎም እዮም ኣሲሮሞ' ብዝብል ፍሉይ ጎስጓስ ክግበር ጸኒሑ'ሎ።

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ፌደራል ቀዳማይ መጋባእያ፡ ሎሚ መዓልቲ፡ ክሱስ ኮሎኔል ቢንያም ተወልደ ብዋሕስ ንክፍታሕ በይኑ። ክሳብ ሽዑ፡ ኮሎኔል ቢንያም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ ናይ ዋሕስ መሰሉ ተኸልኪሉ'ዩ ፀኒሑ።

ጠበቕኡ ኣይተ ሃይለስላሴ ገብረመድህን፡ ኣቕዋም ዓቃቢ ሕጊ ድሕሪ ምስማዕ፡ ትሕጃ ዋሕስ 30 ሽሕ ብር ኣታዊ ከም ዝግበር ተዛሪቡ።

" ጠንካራ (ጽኑዕ) መንፈስ ነይርዎ"

ኮሎኔል ቢንያም ተወልደ፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅሊንጦን ተኣሲሩ።

ንምዃኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ኣተሓሕዛኡ እንታይ ይመስል?

ጠበቕኡ፡ ዓብይ ዝበሃል ጸገም ከም ዘይበረ፡ እንተኾነ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝነበረ ምጉታት፡ ኣብ ስድራን ፈተውትን ኮሎኔል ቢንያም ተወልደን ገዛእ ነብሱን ጸቕጢ ከም ዝፈጠረ ገሊጹ።

"ቢንያም ንምንታይ ከም ዝተኣሰረ ስለዝፈልጥ'ዩ ይመስለኒ [ከኣ]ጠንካራ መንፈስ'ዩ ዘለዎ " ኢሉ።

ኣይተ ሰላማ ገብረኪዳን ድማ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነዚ ውሳነ ምስ ኣሕለፈ ኣብ ስድራ ዓብይ ናይ ተሓጓስ ስምዒት ፈጢሩ ይብሉ።

ይኹን እምበር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ብይን ተግባራዊ ዝገብሮ፡ ዓቃቢ ሕጊ ካልእ ክሲ ወይ ዝተፈለየ መረዳእታ እንተዘይኣቕሪቡ ጥራሕ እዩ።