እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዮርዳኖስ፡ ናይ ትሕተ ማይ ወተሃደራዊ ቤተመዘክር ከፊታ
Published
ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ፈለማ ምዃኑ ዝተገለጸ፡ ናይ ትሕቲ ማይ ወተሃደራዊ ቤተመዘክር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ገማግም ኣቓባ ከፊታ።
ኣብቲ ብረቡዕ ዝነበረ ጽንብል ምምራቕ፡ ብርክት ዝበላ ታንክታት ዝርከብአን ወተሃደራዊ መካይንን ሓንቲ ሄሊኮፕተርን ከም ዝጥሕላ ተገይሩ።
እተን ተሽከርከርቲ ብናይ ዓውደ ኲናት ኣሰላልፋ እየን ተቐሚጠን።
እቲ ምርኢት፡ ንበጻሕቲ ሓድሽ ተሞክሮ ናይ ቤተመዘክር ከም ዝኸውን፡ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም።
እዚ "ንስፖርት፡ ኣከባብን ምርኢትን" ብሓባር ዘጠቓልል ከም ዝኾነ በዓል መዚ ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባ ኣቓባ ኣፍሊጡ።
መሰል ዋንነት ናይ'ዞም ስእልታት ሕልው እዩ።