ኣብ ኒውዮርክ ንሰዓታት ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ከም ዝተመልሰ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ትማሊ ቀዳም ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ክቋረጽ ከሎ ብዙሓት ተጠቀምቲ ባቡር ኣብ ውሽጢ ተዓጽዮም ክጸንሑ ተገዲዶም'ዮም።
ኣብታ ጽዑቕ ብዝሒ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ማንሃተን፡ ኣብ ልዕሊ 70,000 መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ምቁራጽ ኣገልግሎት መብራህቲ ኣጋጢሙ።
እቲ ምቁራጽ ንኣርባዕተ ሰዓታት ጥራሕ ዘጋጠመ'ኳ እንተነበረ ንብዙሓት ዘቖጠዐ ኮይኑ'ሎ።
ቅድሚ 42 ዓመታት ኣጋጢሙ ዝነበረን ንኒውየርክ ናብ ጸልማት ዘእተወን ዝዓበየ ምቁራጽ ሓይሊ ይዝከር ኣብ ዘለወሉ እዋን'ዩ እቲ ጸገም ኣጋጢሙ።
ኣብቲ እዋን ሰፊሕ ዝምታን ኮነ ኢልካ ዝፍጸም ምቕጻል ንብረትን ተራእዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓላፊ ኩባንያ ጸዓት ኮ ኤዲሰን ማክኣቮይ፡ እቲ ምቁራጽ ኣብ ሓደ መደበር መከፋፈሊ ሓይሊ ከም ዘጋጠመ ብምግላጽ፡ መንቀሊኡ ግን ይጻረ ምህላው ሓቢሩ።
መብራህቲ ትራፊክ ጎደናታት ኒውዮርክ ክሰርሑ ብዘይምኽኣሎም ከኣ ከቢድ ዝኾነ ምጭንናቕ ትራፊክ ኣጋጢሙ።
ንኽዘናጋዕ ይወጽእ ዝነበረ ወዲ 26 ዓመት ኣሌክስ ሃመርሊ፡ መገዲታት ኩሎም ተዓጻጽዮምን ዳርጋ ፍርቂ ባቡራት'ውን ዘይሰርሓ ብዘይምንባረን እቲ ኩነታት ዘሕርቕ ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንቐዳም ምሽት ክካየዱ ተሓሲቦም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ምርኢታት ክስረዙ ከለዉ፡ ናብ ትያትር ዝኸዱ ሰባት ከኣ ኣብ መእተዊ ደው ኢሎም ክጽበዩ ተገዲዶም።
ድምጻዊት ጀኒፈር ሎፐዝ ነቲ ከተቕርቦ ትዳለወሉ ዝነበረት ምርኢት ዘተኣጓጎለ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለትሪክ "ዘሕዝንን ዘጉህን" ክትብል ገሊጻቶ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍቀርቲ ስራሕታ ካብቲ ዝተኣኻኸቡሉ መድረኽ ክምለሱ ተገዲዶም'ዮም።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
