ነብይ እዩ ጩፋ፡ "ካራተ ኣጋንንቲ ከውጽእ ኢለ ኣይኮንኩን ተማሂረዮ"

መግለጺ ቪድዮ, ነብይ እዩ ጩፋ፡ "ካራተ ኣጋንንቲ ከውጽእ ኢለ ኣይኮንኩን ተማሂረዮ"
Published

ነብይ እዩ ጩፋ፡ ነብይን ሃዋርያን ኢሎም ካብ ሞንጎ ዝተልዓሉ ሓደ'ዩ። ክራይስት ኣርሚ ኢንተርናሽናል ዝተብሃለ ናይ ፕሮቴስታንት ቤተክርስትያን መስሪቱ፡ ብዙሓት ሰዓብቲ ኣፍሪዩ'ዩ።

ክራይስት ኣርሚ ብዝተብሃለ መደበር ቴሌቪዥን ብዝመሓላለፉ ናይ ፈውሲ [ድሕነት] ምርኢታት፣ 'ኣጋንንቲ ብካራቴ ብምውዳቕ'ን ብካልእ ምኽንያታትን፡ ኣዛራራቢ ዝኾነ 'ነብይ' እዩ ጩፋ፡ ሓቲትናዮ ኣለና።