ናይ ባዕሉ ዘርኢ ተጠቒሙ ንተሓከምቱ ዘጥነሰ ዶክተር፡ ናይ ስራሕ ፍቓዱ ተሰሪዙ

ዶክተር ኖርማን ባርዊን

ምንጪ ስእሊ, CBC

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ኖርማን፡ ናይ ባዕሉ ዘርኢ ተጠቒሙ ተሓከምቱ ከም ዝጠንሳ ምግባሩ ይኽሰስ
Published

ኮሌጅ ሓካይም ኦንታርዮ ዝተብሃለ ኣብ ካናዳ ኣፋውስ ዝቆጻጸር ትካል፡ ፍቓድ ስራሕ ናይ ሓደ ናይ ፍርያምነት ሓኪም ሰሪዙ። እቲ ኖርማን ባርዊን ዝተብሃለ ጡረታ ዝወጸ ሓኪም ናይ ባዕሉ ዘርኢ ናብ ተሓከምቱ ከም ዘስረጸ ተገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ሓኪም ዝቐርብ ክስታት ካብ 1970ታት ዝጀመረ እኳ እንተኾነ እቲ ትካል ካብ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ እዩ ነቲ ጉዳይ ክምርምሮ ጸኒሑ።

ነቲ በቲ ትካል ዝተወስደ ዲሲፕሊናዊ ስጉምቲ ኣመልኪቱ መብርሂ ዝሃበ ዶክተር ስቲቨን ቦድሊ፡ እቲ ሓደ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ናይ ዶክተር ባርዊን ፍቓድ ምስራዝን ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ምብያንን ምዃኑ፡ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ወሲ 80 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ዶክተር ባርዊን፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ስርሑ ኣቛሪጹ እዩ።

ብመሰረት እቲ ክሲ ዶክተር ባርዊን እንተወሓደ ን13 ተሓከምቲ ናይ ባዕሉ ወይ'ውን ናይ መን ምዃኑ ዘይተፈለጠ ዘርኢ ወዲ ተባእታይ ተጠቂሙ ከም ዝጠንሳ ገይሩ።

እቲ ሓኪም ነተን ኣዴታት ብዝሃቦ ዘርኢ ወዲ ተባእታይ፡ ካብ 50 ክሳብ 100 ዝኾኑ ክውለዱ ከለው እቶም 11 ደቁ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ዛጊት እቲ ክሲ ብቤት ፍርዲ ኣይተራእየን።